ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመታዊ በዓል ኢሬቻ ተጸንቢሉ


ዓመታዊ በዓል ኢሬቻ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ተጸንቢሉ።ናይ ኣዲስ ኣበባ ሆራ ፍንፍኔ ድሕሪ ምኽባሮም ናብ ቢሾፍቱ ዘምርሑ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብቲ በዓል ተሳቲፎም ኣለው።

ገለ ጎደናታት ንናይ ህዝቢ መካይን ዕፅው ብምዃኖም ካብ ኣዲስ ኣበባ ብቐጥታ ዝመፁ ገለ ተሳተፍቲ ምንግልትኦም ገሊፆም ኣለው።

ናይ ሆራ ኣርሰዴ መኽበሪ ቦታ ዝሓሸ ትሕተ ቅርጺ ክስርሓሉ እውን እቶም ተሳተፍቲ ሓቲቶም።

ብናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ትምህርቲ:ሳይንስን ባህልን ወኪል ዩኒስኮ (UNESCO) ባህላዊ ሓድግታት መዝገብ ዝሰፈረ ናይ ገዳ ስርዓት ኣካል ዝኾነ ናይ ሆራ ኣርሰዴ ኢሬቻ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብድሙቕ ካብ ዝኽበሩ በዓላት ሓደ እዩ።

XS
SM
MD
LG