ዋሽንግተን —
ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ መበል 95 ዓመታዊ ምዕዳል ሽልማት ኦስካርስ “Everything Everywhere All at Once” ዝተሰምየት ፊልም ንሸውዓተ ሽልማታት በቒዓ። እዛ ኣብ ፋንታዝያ ዝተመርኰሰት ኮመዲያዊት ፊልም ናይ ዝበለጸ ስእሊ ሽልማት ክትዓትር እንከላ፡ ኣብ ማሌዢያ ዝተወልደት ተዋሳኢት ሚቸል የዎ ድማ ዝበልጸት ተዋሳኢት ተባሂላ ተሸሊማ።
ኣብዚ ፊልም በበይኑ ተራ ዝተጻወቱ’ውን ዝበለጸ ተዋሳኢ፡ ከምኡ’ውን ክልተ ዝበለጹ ተሓገገዝቲ ቀንዲ ገጸ- ባህሪ ሽልማት ወሲዶም።
ትማሊ ዝተኻየደ ሽልማት ኦስካር ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ብጸዓዱ ኣመሪካውያን ዝዕበለሉ ዝነበረ ብመጠኑ ዝተፈልየን ኣብ ካልእ ተወሊዶም ኣብ ኣመሪካ ዝመጽኡ፡ ብቐንዱ ድማ ተወላዶ ኤስያ በበይኑ ሽልማታት ዝወሰዱሉ ኣጋጣሚ’ዩ ነይሩ።
ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ተመርኲሳ ዝተጻሕፈት ህብብቲ ናይ ኲናት መጽሓፍ “All Quiet on the Western Front” ካብ ዝብል ዝረዓመት ፊልም ዝበለጸት ዓለምለኻዊ ፊቸር ፊልም ክትሽለም እንከላ፡ ኣብ ታሪኽ ህይወት ሩስያዊ ናይ ፖለቲካ እሱር ኣለክሲ ነቫልንይ ዝሰነደት ፊልም ድማ ዝበለጸት ዶክመንታሪ ተባሂላ ተሸሊማ።