ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመታዊ መድረኽ ቁጠባ ዓለም ኣብ ዳቮስ ተጀሚሩ


ዓመታዊ መድረኽ ቁጠባ ዓለም ኣብ ዳቮስ ተጀሚሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:08 0:00

ዓመታዊ መድረኽ ቁጠባ ዓለም ኣብ ዳቮስ ተጀሚሩ

መንግስታትን ኣመሓደርቲ ባንክታትን ሎሚ ሰሉስ 17 ጥሪ 2023 ኣብ ዳቮስ ስዊዘርላንድ ዓመታዊ መድረኽ ቁጠባ ዓለም ኣኼብኦም ጀሚሮም ኣለዉ።

ኦክስፋም ብወገኑ እዚ መድረኽ ቁጠባ ዓለም ዝካየድ ዘሎ፡ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ንመጀመርያ ግዜ ድኽነት ከም ሕሱም ኣብ ዝወሰኸሉ እዋን ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

ዓለማዊ ዘይምዕሩይነት ኣብ ዝነሃረሉን ፡ ድኽነት ኣብ ዝወሰኸሉን እዋን`ዩ እዚ መድረኽ ቁጠባ ዝካየድ ዘሎ ዝበለ ገባሪ ሰናይ ትካል ኦክስፋም፡ ኣብ ቀረጽ ዝግበር ክፍሊት`ውን ርትዓዊ ክኸውን ኣለዎ ይብል።ናቢል ኣሕመድ ካብ ኦክስፋም ኣመሪካ ድማ እቶም ሃብታማት በንጻሩ እናሃብተሙ ይኸዱ ኣለዉ ይብል።

“ዳቮስ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ክትምለስ`ያ። ፈስቲቫል ሃብታማት ይመጽእ ኣሎ። ንሕና ድማ እቶም ዝሃብተሙ ሓደ ሚእታዊት ነቲ ሰለስተ ሚእታዊት ካብ 2020 ጀሚሩ ዝነበረ ሓዲሽ ሃብቲ፡ ከም ዝበሓትዎ ዘርኢ ዘሰንብድ መረዳእታ ነቕርብ ኣለና።”

ነቢል ኣሕመድ እቲ ዝጥቀስ ዘሎ ሃብቲ 42 ትሪልየን ዶላር ክኸውን ከሎ፡ እዚ ድማ ዕጽፊ ናይቲ 99 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ዝውንኖ ምዃኑ`ዩ። ምንጪ ናይቲ ገንዘብ ድማ ብኸፊል ካብቲ መንግስታት ኣብ ግዜ ኮሮናቫይረስ፡ ሃገራት ተዓጽየን ከለዋ ብህጹጽነት ናብ ዓለማዊ ቁጠባ ዘፍስስኦ ዝነበራ`ዩ ይብል።

“ እቲ ገንዘብ ኣገዳሲ`ኳ እንተነበረ ዝያዳ ነቶም ነቲ ሃብቲ ንምድላብ ዝተጠቕምሉ ግን እቶም ኣዝዮም ሃብታማት`ዮም። ዋጋታት ኣክስዮን ከም ዝውስኽ ብምግባር፡ ከምኡ`ውን ምዕሩይ ዝኾነ ምኽፋል ግብሪ ስለዘይነበረ፡ እቶም ሃብታማት ነቲ ገንዘብ ናብ ጅቡኦም ከእትውዎ ጥዒሙሎም።”

ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ዙርያ ዓለም፡ ብውሕዱ 1.7 ሚልየን ሰራሕተኛታት ዝቕባበ ገንዘብ ልዕሊ ደሞዞም ኮይንዎም ዝነብሩ ኣለዉ ዝበለ ኦክስፋም፡ እዚ ማለት ሰባት እናደኸዩ ይኸዱ እቶም ሃብታማት ቢልየነራት ድማ እናሃብተሙ ይኸዱ ኣለዉ፡እዚ ድማ ኣብ ናህሪ ዋጋ መግብን ነዳድን ዝርኣይ ዘሎ`ዩ ኢሉ`ሎ። ኣስዒቡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመተ፡ 2022 ጥራሕ 96 ዓበይቲ ትካላት መግብን ኤነርጅን ኣታዊታተን ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ክነርኢ ክኢልና ኣለና ዝበለ ኦክስፋም ፡ኣብቶም ዝሃብተሙ ዓለምና 5% ናይ ቀረጽ ወሰኽ ክግበር ይጽውዕ።

ኣወሃሃድቲ መድረኽ ቁጠባ ዓለም ብወገኖም፡ እቲ ኣኼባ ንኹሉ ክረብሕ ዝኽእል`ዩ ይብሉ። ቦርገ ብረንደ ፕረዚደንት መድረኽ ቁጠባ ዓለም`ዩ፡ ከምዚ ይብል።

“ብዙሕ ነልዕሎ ጉዳያት ኣሎ። ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ውግኣትን ግጭታትን ፍታሕ ክነናዲ ኣለና። ናብ ሪሰሽን ማለት ድቀት ቁጠባ ከይንምለስ ክንጥንቀቕ ኣለና። ንዝሓለፈ 10 ዓመታት ዝሑል ዕብየት ኢና ርኢና፡ ከምቲ ኣብ 1970`ታት ዝነበረ ማለት`ዩ። ስለዚ ኩሎም ሰብ እጀታ ኣካል`ቲ ንኹሉ ዝሓቖፈን እናዓበየ ክኸይድ ዝግብኦ ቁጠባን ክኾኑ ኢና ንደልዮም።"

ባንኪ ዓለም ብወገኑ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ እናነሃረ ዝኸደ ዝቕባበን ዝሕቱል ቁጠባን ኣንጻር ሕሱም ድኽነት ዝቃለስ ዕብየት ባይታ ዘቢጡ እዩ ዘሎ ክብል ኣጠንቂቑ ኔሩ`ዩ።

XS
SM
MD
LG