ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ዓለም ሕልውቲ ክትከውን ጥዕና ንኹሉ ክባጻሕ ኣለዎ” ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም


ጀነራል ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ዓለም ሕልውቲ ክትኸውንን ጥዕና ንኹሎም ክባፃሕን ቃል ኣትዮም። ንሶም ነዚ ዝገለፁ እቲ ትካል ዓመታዊ ዋዕልኡ ኣብዝጀመረሉ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እዮም።

መበል 70 ዓመት ምምስራት ትካል ጥዕና ዓለም ብውዕውዕ ኩነታት ኣኽቢሮምዎ ኣለው።ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ብዙሕ ዘሐጉሱ ውፅኢታት እንተለው እውን ኣብ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተለዓለ ሕማም ኢቦላ ደው ንምባል ሰራሕተኛታት ጥዕና ህይወቶም ኣብ ሓደጋ የውድቑ ኣለው ኢሎም።

“ሕሙማት ኢቦላ ኣብ ከተማ ምርካቦም ዘሰክፍ እዩ፣ነቲ ለበዳ ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ግን ኣብ 2014 ዓ.ም ካብ ዝነበረ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ኣለና።ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ሰዓት ክታበት ምሃብ ከምዝተጀመረ ኸኣ ከበስረኩም እደልይ።”

ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 47 ሃገራት መልሲ ካብዝሃበሎም 50 ህፁፅ ሓገዛት እቲ እንኮ ምዃኑ ዶ/ር ቴድሮስ ገሊፆም።ንቕድሚት ለበዳታት ሕማማትን ሓደጋን ንምክልኻል ዝበለፀ መንገዲ ስርዓተ ጥዕና ኣብ ኩሉ ምሕያል እዩ ኢሎም።

ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት ዝከታተል ዝለዓለ ኮሚሽን ምጥያሹን ሚሊዮናት ሰባት ግዳያት ክትከላኸሎ ብእትኽእል ሕማማት ዝሞትሉ ኹነታት ደው ንምባልን ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ጥዕና ዓብዪ ፅልዋ ንምምፃእ ዝዓለመ ሓድሽ ናይ ሓሙሽት ዓመት ስትራተጂያዊ ትልሚ ጀሚሩ’ሎ።ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሸቶ ናይዚ ትልሚ ኣብ ዓለም ንዝርከቡ ኩሎም ድኻታት ይኹኑ ሃብታማት ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ጥዕና ንምብፃሕ እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG