ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ መዓልቲ ሰራሕተኛታት(May Day) ኣብ ልዕሊ 80 ሃገራት ዓለም ተዘኪሩ ውዒሉ


ካምቦድያ
ካምቦድያ

ዓለምለኸ መዓልቲ ሰራሕተኛታት(May Day) ኣብ ልዕሊ 80 ሃገራት ዓለም ተዘኪሩ ውዒሉ’ሎ።መንግስታት ሓለዋ ፀጥታ ብምሕያል ፖሊስ ሰልፍታት ኣብ ዝካየደሎም ዓበይቲ ከተማታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ወይ ድሮን ይጥቀሙ ኣለው።

ኣብ ግሪክ ንዝኽሪ እቲ ዕለት ትካላት ንግድን ወሃብቲ ኣገልግሎታትን ተዓፂዮም ውዒሎም ኣለው።ሰልፈኛታት ኣብ ፊት ንፊት ህንፃ ፓርላማ እታ ሃገር ብምትእኽኻብ ወፃኢ ንምንካይ ብዝብል ይውሰድ ንዘሎ ናይ በጀት ምንካይ ስጉምቲ ተቓውምኦም ኣስሚዖም ኣለው።ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ናይታ ሃገር ቁጠባ ገለ ምምሕያሽ ኣርእዩ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ፓሪስ ልዕሊ 7,400 ኣባላት ፖሊስን ዓሰርተታት ሰብ ኣልቦ ነፈርትን/ድሮናትን ተዋፊሮም ኣለው።ክፍጠር ንዝኽእል ፀረ መንግስቲ ዕግርግር ንምክልኻል ቢጫ ገመዳት ወይ ሪባናት ዘርጊሖም።ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ዝተርኣዩ ተቓውሞታት ናብ ናዕቢ ክዓብዩ ተራኢዮም እዮም።

ኣብ ሞስኮ ብፌደረሽን ነፃ ማሕበራት ንግዲ ሩሲያ ኣብ ቀይሕ ኣደባባይ/Red Square/ ኣብ ዝተዳለወ ናይ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ሰልፊ ኣሽሓት ተሳቲፎም ኣለው።

ኣብ ጃካርታ እውን ሰራሕተኛታት መዓልቲ ሰራሕተኛታት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ኣብታ ሃገር እናዓበየ ይኸይድ ንዘሎ ዝቕባበ ንምዕጋስ ወሰኽ መሃያ ሓቲቶም።

ኣብ ዋና ከተማ ሱል ደቡብ ኮሪያ ዝሓሸ ናይ ስራሕ ኩነታት ብምሕታት ዝተሰለፉ ክኾኑ ከለው ኣብ ባንግላድሽ ድማ ደቂ ኣንስቲዮ ሰራሕተኛታት ናይ ወሊድ ዕረፍትን ብዘይድልየት ዝፍፀሙ ፆታ ተኮር በደላት ስጉምቲ ክውሰድን ሓቲተን ኣለዋ።ኣብ ፊሊፒንስ ሰራሕተኛታት ዝሓሸ ደመዎዝ ንክኽፈሎም ብምሕታት ንምስሊ ፕረዚደንት ሮድሪጎ ዱተርተ ኣቃፂሎም።

ኣብ ጀርመን ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ከተማ በርሊን ንዝርከብ ከባቢ ንምልዋጥን ንምሕዳስን ዝግበር ምንቅስቓስ ተቓውሞ ንምስማዕ ኣስታት 20,000 ሰልፈኛታት ክርከቡ ተባሂሎም ትፅቢት ኣብዝተገብረሉ መንግስቲ ልዕሊ 5,500 ኣባላት ፖሊስ ኣዋፊሩ’ሎ።

ኣብ ቱርኪ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝዝከረሉ ታክሲም ስኳረም ናይ ሰልፊ ፍቓድ ዝኸልከለ ፖሊስ ኢስታንቡል ዝለዓለ ሓለዋ ፀጥታ የካይድ ኣሎ።እቲ ኣደባባይ ሕማቕ ሽም ዝረኸበ ኣብ 1977 መዓልቲ ሰራሕተኛታት ይኽበረሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ጥቕኡ ካብ ዝርከብ ህንፃ ብዝተተኮሰ ጠያይቲ 34 ሰልፈኛታት ምስ ተቐትሉ እዩ።ዛጊድ በቲ ቕትለት ዋላ ሓደ ዝተሓተተ የለን።

XS
SM
MD
LG