ዋሽንግተን —
ሓደ ጉጅለ ክኢላታት ትካል ጥዕና ዓለም/WHO/ ኣብ ምብራቓዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ይጋፋሕ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ንምምካት ስትራተጂታት ክሕንጸጽ ኣለዎ ኢሎም።ብመሰረት ዳሕረዋይ ፀብፃብ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብዚ ሕጂ እዋን 1,218 ዝሞቱ ሓዊሱ 1,738 ሕሙማት ኢቦላ ተመዝጊቦም ኣለው።
ሚንስትር ጥዕና ኮንጎ ኦሊ ኦሉንጋ ካለንጋ ኢባላ ነቲ ሕማም ብዙሕ ርእስን ዓበይቲ ኣፃፍርን ምስ ዘለዎ ኣራዊት/ድራጎን/ ኣወዳዲሮምዎ ኣለው።እቲ ለበዳ ኣብ ሓደ ቦታ ጀሚሩ ናብ ካልኦት ከባቢታት ዝጋፋሕ ስለዝኾነ ነዚ ዝምጥን ናይ ምክልኻል ስትራተጂ ክንኽተል ኣለና ኢሎም።