ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ውድብ ጥዕና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሰንኪ ብከላ ኣየር 600,000 ህጻናት ይሞቱ ክብል የጠንቕቅ


ዓለምለኸ ውድብ ጥዕና ብሰንኪ ኣብ ውሽጢ ገዛን ደገን ዘጋጥም ብከላ ኣየር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 600,000 ትሕቲ 15 ዓመት ህጻናት ይሞቱ ክብል ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ የጠንቕቕ።

ብመሰረት’ቲ ጸብጻብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ 1.8 ቢልዮን ትሕቲ 15 ዓመት 630 ሚልዮን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት ዝተበከለ ኣየር የተንፍሱ።

ከምውጽኢቱ ድማ ኣብ 2016 ጥራይ 600,000 ህጻናት ብሰንኪ ብክለት ኣየር ሞይቶም።

“ብከላ ኣየር ንሚልዮናት ዝቑጸሩ ህጻናት ብምብካል ህይወቶም የበላሽው ኣሎ” ክብሉ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

“እዚ ይቕረ ክበሃለሉ ዘይኸአል ጉዳይ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ህጻን ንጹህ ኣየር ከተንፍስን ክዓብይን ይግባእ።”

ብመሰረት ሓበሬታ’ቲ ውድብ ካብ ነፍሲ ወከፍ 10 ሰብ 9 ሰብ ዝተበከለ ኣየር የተንፍስ፡ ብሰንኪ’ዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 7 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ ምስ ብክለት ኣየር ዝተሓሓዝ ሕማማት ይሞቱ።

ጸብጻብ ዓለምለኸ ትካል ጥዕና ብተወሳኺ ትሑት አታዊ ዘለወን ሃገራት ዝርኸቡ ህጻናት ዝያዳ ንብከላ ኣየር ከምዝቓልዑ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG