ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ዋዕላ ምሕደራ ኢንተርነት ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ


መበል 17 ስሩዕ ዋዕላ ዓለምለኸ ምሕደራ ጉዳያት ኢንተርነት፡ ሎሚ ንግሆ ጀሚሩ፡ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ይካይድ ኣሎ። እቲ “ጽንዓት ኢንተርነትን ንዘላቒ ሓባራዊ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ድሕሪ 11 ዓመታት'ዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣብቲ ዋዕላ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ’ውን ብመገዲ ማንዛ ኣቢሎም ቃሎም ሂቦም ነይሮም።

ኣብቲ ዋዕላ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሃገሮም ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለዎ ወሳኒ ተራ ኣብ ግምት ብምእታው ንዝበለጸ ዒላማን ንቑጠባዊ ምትሕብባርን ክትጠቀመሉ ምዃና ኣመልኪቶም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣብ መደረኦም፡ ምሕደራ ኢንተርነት ነተን ብቑጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ጥራይ ዝግደፍ ዘይኰነስ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ዓቢ ኣበርኽቶ ክግበራ ከም ዝኽእላን እቲ ባይታ ድማ ክጣጣሓለለን ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ናብቲ ጉባኤን ካልኦት መዘናታቶምን ንምርካብ፡ ኣብ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣምባሳድር ጉዳያት ጸጥታ ኢንተርነትን ዲጂታላዊ ፖሊሲን ናትናኤል ፊክ ኣዲስ-ኣበባ ኣትዮም ኣለዉ። እቶም ኣብ ኣምባሳድር ቅድሚ ጕዕዞኦም ኣብ ዝዘርግሑዎ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ምርኵስ ብምግባር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት መራኸቢታት ብቕልጡፍ ክመልስ ጸዊዖም። እቶም ኣምባሳድር ኣብ መግለጺኦም፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ ምርኵስ ብምግባር’ዮም ነቲ ጻውዒት ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ኣቕሪቦም።

XS
SM
MD
LG