ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ኮሚቴ  ህይወት ኣድሕን ምስ ሰብ ስልጣን ሱዳን ብምትሕብባር ሓገዝ ንኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ንምብጻሕ ይሰርሕ ምህላው ገሊጹ


ካብ ግጭት ክልል ትግራይ ዝሃድሙ ተወሰኽቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ምብራቕ ሱዳን ምእታዎም ዓለምለኸ ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን(IRC) ኣፍሊጡ። ንኣዴታትን ህጻናትን ንምክልኻል ቕልጡፍ ምላሽ ይወሃብ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ ።

ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈጥረ ግጭት ልዕሊ 60,000 ስደተኛታት ናብ ምብራቕ ሱዳን ሃዲሞም ኣለው።ዓለምለኸ ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን ምስ ሰበስልጣን ሱዳን ብሓባር ኣብ ኡም ራኩባ ካምፕ 265 መፀለሊ ድኳናት ተተኺሎምን : ተንትባ ዝተባህለ ሓዱሽ መዕቖቢ ስደተኛታት ተወሰኽቲ ህፁፅ ኣገልግሎታት ንምቕራብ ምህላዎም ገሊጾም።

ኣብ ምብራቕ ደቡብ ሱዳን ዳይሬክተር ህፁፅ ሓገዝ ካሮላይን ካናይዛ እቲ ድልየት ኣዚዩ ዝልዓለ እቲ ቦታ ርሑቕ ምስ ምዃኑ ድማ ናብቶም ካምፕታት ዘድልዩ ነገራት ንምግዓዝ ቅልጡፍ ኣይኮነን ኢለን።

ብዝለዓለ ናይ ስነልቦና ቅልውላው ንዝሳቐዩ ቆልዑት ናይ ሓለዋ ፕሮግራም ይትግብር ከምዘሎ እቲ ኮሚቴ ገሊፁ ኣሎ።

ደቂ ኣንስትዮ፣ኣዋልድን ህጻናትን በቲ ግጭትን ሓደጋን ብዝለዓለ ይጥቅዑ። “ንደቂ ኣንስትዮ እናፈለና ኣገልግሎት ሓለዋ ሳይኮሎጂያዊን ፆታ መሰረት ዝገበሩ መጥቓዕትታትን ናይ ምኽሪ ደገፍ ይግበር ኣሎ” ኢለን።

ኣብ ክልል ትግራይ ውግእ ካብ ዝጅመር ወርሒ ሕዳር ልዕሊ 60,000 ስደተኛታት ናብ ምብራቕ ሱዳን ተሰዲዶም እዮም።ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ብቕልጡፍ ቶኽሲ ጠጠው ንምባል ክሰማምዑን ስደተኛታትን ሰራሕተኛታት ረድኤን ሓዊሱ ሰላማዊ ዜጋታት ህይወት ኣድሕን ኣገልግሎታት ክረኽቡን ውሑስ ብዝኾነ ኣገባብ ክንቅሳቐሱን ኣለዎ ክብል ፀዊዑ።

XS
SM
MD
LG