ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ናብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ምቕጻሉ ይሕብር


ትካል ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ኢትዮጵያ፡ ብሰንበት፡ መድሃኒትን ካልእ ቀረባት መግቢ ዝሓዘ 16 መካይን ናብ ሽረ ምእታዉ ብናይ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ። እቲ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ዘእተዎ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ሆስፒታላን ካልኦት ማእከላት ጥዕናን እቲ ክልል ይዝርጋሕ ምህላዉ ኣመልኪቱ።

ብተመሳሳሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ርሑቕ ገጠራትን ከባቢታትን ከባጽሕ ምዃኑ’ውን እቲ ትካል ጠቒሱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG