ዋሽንግተን —
ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM)ናብ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ንማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ዝግበር ጉዕዞ ምስናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር ከሎ ኣብዚ ፍርቂ ዓመት በዝሒ ዝሞቱ ሰባት ብልዕሊ ዕፅፊ ከምዝወሰኸ ገሊፁ።
እቲ ትካል ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ናይ 2021 ፈላሞት ሽድሽተ ኣዋርሕ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ሰባት ብውሑዱ 1,146 ምሟቶም ገሊጹ። መብዛሕቲኦም ንማእከላይ ባሕሪ ከቋርፁ ከለው ብዘጋጥም ሓደጋ ምሟቶም'ውን ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ወሲኹ ሓቢሩ።ብዝሒ ንምስጋር ይፍትኑ ዘለው እውን ይውስኽ እዩ ዘሎ።ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 31, 500 ሰባት ብሰበስልጣን ሰሜን ኣፍሪቃ ህይወቶም ድሒኑ ኣሎ።