ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ን 81ሽሕ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምሕጋዝ 45 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ


ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታትን መሻርክቱን ኣብ ዝመጽእ ሰለስተ ዓመታት ካብን ናብን ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃን የመንን ንዝሰጋገሩ ስደተኛታት ሰብኣዊን ንዋታዊን ሓገዝ ንምሃብ ኣስታት 45 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልይ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓለም እታ ዝኸፍኣ ሰብኣዊ ቀውሲ ዝረኣየለ ሃገር የመን እያ። እንተኾነ እዚ ኹነታት ነቶም ካብ ድኽነትን ግጭት ሃዲሞም ንወሽመጥ ዓደን ብምቁራጽ ናብታ ሃገር ዝስደዱ ስደተኛታት ደው ከብሎም ኣይከአለን፡ ዝበዝሓ ካብዞም ስደተኛታት ድማ ካብ ኢትዮጵያን ሶማል ዝመጹ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

ዝበዝሑ ካብቶም የመን ዝበጽሑ ስደተኛታት ዝሓሸ ስራሕን ናብራን ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓደን ንምርካብ ዝመጹ ምዃኖም ይገልጹ። ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ጆወል ሚልማን ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ ዓመታት እዚ ዘይስሩዕ ስደት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ የመን ይውስኽ ምህላው ይገልጹ።

ንሶም ኣብ ዓመተ 2017 ኣስታት 100,000 ሰባት ነዚ ሓደገኛ ጉዕዞ ምፍጻሞምን ኣብዚ ዓመት’ዚ እውን እቲ ቁጽሪ ተመሳሳሊ ምኳኑ ይሕብሩ።

“ ኣብ ግምት ክኣትው ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣስታት 200,000 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ስዑዲ ዓረብንን የመን ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተመልሱ ኣለው። ኣስታት 150,000 ናብ ኢትዮጵያ፡50,000 ድማ ናብ ሶማል ዝተመልሱ ኣለው። እዚ ማለት ዕጽፊ ናይቶም ናብ የመን ዝኣትው’ዩ።”

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ዝመደቦ ናይ ሰለስተ ዓመታት ውጥን ንኣስታት 80,000 ኣብ ተአፋፊ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዝዓለመ’ዩ። እዚ ሓገዝ ንደቂ ኣንስትዮ፡ አላይ ዘይብሎም ህጻናት፡ ዕድመ ዝደፍኡ፡ ግድያያት ጎነጽን ዘይሕጋዊ ምስግጋርን አካለ ጉዱኣትን ንምሕጋዝ ዝዓለመ’ዩ።

እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ንግዳያት ዓመጽ ድማ ስነ ኣእምሮኣዊ ምኽሪ፡ ምስቲ ሕብረተሰብ ንምትሕንፋፅ ዘኽእል ቁጠባዊ ሓገዝን ዝብሉ መደባት ዝሓዘ’ዩ። ብተወሳኺ እቲ ውጥን ስደተኛታት ናብ ስደት ከየምርሑ ኣብ ከባቢኦም ዝሕግዝሉ መደብ ዝሓዘ ምኳኑ ይግለጽ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG