ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ነቲ ኣብ መንጎ ሶማልን ኬንያን ከሰሓሕብ ዝጸንሓ ማያዊ ዶብ ውሳነ ሂቡ


ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ነቲ ኣብ መንጎ ሶማልን ኬንያን ከሰሓሕብ ዝጸንሓ ማያዊ ዶብ ውሳነ ሂቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:20 0:00

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ነቲ ኣብ መንጎ ሶማልን ኬንያን ከሰሓሕብ ዝጸንሓ ማያዊ ዶብ ውሳነ ሂቡ

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፡ ንምስሕሓብ ወሰን ባሕሪ ሶማልን ኬንያን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ብይን፡ ሶማያ ብሓጎስ ተቐቢላቶ። እቲ 100, 000 ስ.ኪሎ ሜተር ስፍሓት ዘለዎ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ክልል ማይ መብዛሕቲኡ ንሶማል ዝተዋህበ ኽኸውን ከለዎ፡ ኬንያ ግን ኣይተቐበለቶን።

ድሕሪ`ቲ ብይን ዝተዛረበ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ፈርማጆ፡ ሃገሩ ነቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ከምተኽብር ኣፍሊጡ`ሎ።

“ ኬንያ ንልዕልና ሕጊ ክተኽብርን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትን ህዝብታትን ምህዝነት ንምድልዳል ነቲ ብይን ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክትጥቀመሉን ሶማልያውያን ተስፋ ይገብሩ “ ኢሉ ።

ክልቲአን ሃገራት ካብ 2014 ጀሚረን ብዛዕባ`ቲ ዘዋስነን ባሕሪ ክስሓሓባ ጸኒሐን`የን። ድሕሪ 7 ዓመት ግን፡ ፕረዚደንት ኣህጉራዊ መጋባእያ `ዋን ዶኖጉ`፡ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ብይኑ ሂቡ፡

"እዚ ቤትፍርዲ ካብ ማእከል ቀጥታ መስመር ቢ-29 ናብቲ ሓፈሻዊ ኣንፈት ወሰን ባሕሪ ምስ ታሕታዋይ መስመር ተራኺቡ ከም ዝምልከት ጌሩ ወሲኑ`ሎ::"

ከንያ ግን በቲ ብይን ከምዘይትቕየድ ኣፍሊጣ`ላ። ፕረሲደንት ኡሁሩ ከንያታ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብቲ ጉዳይ ስልጣን የብሉን ክብል ነቒፍዎ`ሎ። እኳ ድኣ ንምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ዝጎድእ`ዩ ኢሉ ከንያታ።

ኬንያ ኣቐዲሙ ዝተገብረ ሓባራዊ ስምምዕ ኣሎ ትብል፡ እቲ ቤት ፍርዲ ግን ኬንያ ዝፈረመቶ ስምምዕ እቲ ጉዳይ ኣብ ምስሕሓብ ከምዘሎ ዝሕብር`ዩ ይብል። ሕጂ ኩሎም ደያኑ`ቲ ፍርዲ ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተገብረ ስምምዕ ከምዘየለ`ዮም ወሲኖም። እቲ ቤት ፍርዲ ሕጂ፡ ንሰሜን ገጹ ቁሩብ ምትዕርራይ ብምግባር ዳርጋ ብምልኡ ነቲ ዘሰሓሕብ ባሕሪ ናብ ሶማል ጌርዎ`ሎ።

እቲ ኣብ "ዘ-ሀግ" ዝመደበሩ ቤት ፍርዲ ብኻልእ ወገን፡ ነቲ ሶማል ዘቕረበቶ፡ ኬንያ ኣብቲ ቦታ ኤኮኖሚያዊ ምንቅስቓሳት ጌራ`ያ`ሞ ካሕሳ ይውሃበኒ ዝብል ሕቶ ኣይተቐበሎን።

ሕጂ እቲ ዞባ ከም ግብረ፡ሽበራ ንዝበለ ጸገማት ኣብ ዝተቓላዓሉ ኩነታት፡ ክልቲአን ሃገራት በኸመይ ነቲ ኩነታት ይሕዝኦ፡ ብሕጂ ዝርኣይ`ዩ ዝኸውን ይብል ።

((ሞሃምመድ ዩሱፍ፣ ፎር ቭዖዓ ኘውስ፣ ኛኢሮቢ))

Recommended

XS
SM
MD
LG