ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ፕረ. ኣይቨሪኮስት ነበርን አማኻሪኦምን ካብ ማእሰርቲ ከይወጹ ኣዚዙ


ንፕረዚዳንት ኣይቮሪኮስት ነበር ላውረት ባግቦን
ንፕረዚዳንት ኣይቮሪኮስት ነበር ላውረት ባግቦን

ንፕረዚዳንት ኣይቮሪኮስት ነበር ላውረት ባግቦን ላዕለዋይ ኣማኸሪኦምን ዋላ’ዃ ዳያኑ ካብ ዝቐረበሎም ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት ነፃ እዮም እንተበሉዎም ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን/ICC/ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከይወፁ ኣዚዙ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብቕድሚ ትማሊ ሶሉስ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ ሽዑ ንሽዑ ይግባይ ዝሓተቱ ዓቀብቲ ሕጊ እቲ ውሳነ እንተድኣ ዘይተሳዒሩ ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ (The Hague) ኣይንምለስን ኢሎም ነይሮም።

ባግቦን ቻርለስን ብለ ጉወደን ድሕሪ ናይ 2010 ምርጫ ኣብ ኣይቮሪኮስት ስዒቡ ዘጋጠመ ህውከት ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት ፈፂሞም ብዝብል ክሲ እዮም ናብቲ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም።

ባግቦ ድሕሪ መሪር ውድድር ምስተስዓሩ ስዕረቶም ኣይቅበልን ኢሎም፡ ድሕሩ ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ናብ ህውከት ዓሪጉ 3,000 ሰባት ሞይቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ምስዳዶም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG