ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ንሓርነት እሱራት ፖለቲካ ተጋሩ ዝተባህለ ምንቅስቓስ ተጣይሹ


እዚ ድማ እሱራት ተጋሩ ሓራ ክወፅኡን "ብዛዕብኦም ዝተነዝሐ ዘይሓቃዊ" ዝብሎ ሓበሬታ ንምስትኽኻል እቲ ምንቅስቓስ ከምዝሰርሕ እዩ ካብ ኣተሓበበርቲ ሓደ ኣይተ ጌታቸው ኣረጋዊ ሎማ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም::

ልዕሊ 1500 ተጋሩ ብመንነቶምን ብምኽንያት ፖለቲካን ኣብዚ ሐዚ እዋን ተኣሲሮም ይርከቡ ዝበለ ኣይተ ጌታቸው ትግራይ ንምድኻም መንነቶም ተሓርዩ እዮም ተኣሲሮም ይብል:: ፀረ ትግራይ ኮይኑ መንግስቲ ይሰርሕ ዝበለ ድማ ካብ ኣተሓባበርቲ እቲ ምንቅስቓስ ኣይተ ዓንደማርያም ዮሃንስ እዩ:: መንግስቲ ብናይ ባዕሉ ማዕኸናት ዜና ኣቢሉ ጉዳዮም ኣብ ከይዲ ፍርዲ ዘሎ ተጋሩ ሰናዳዊ ፊልሚ ብምስራሕ ምስሊ ክዛባዕ ገይሩ እዩ ኢሉ:: ብመሰረት እዚ ድማ ኢትዮጵያውያን ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም እውን ብዛዕባ ትግራይ ሓቃዊ ምስሊ ክህልዎ እቲ ምንቅስቓስ ክሰርሕ እዩ ኢሉ::

ኣብዚ ጉዳይ ዝሓተትናዮም ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ዓቃቢ ሕግ ኢትዮጵያ ኣይተ ዝናቡ ቱኑ: ዓቃቢ ሕጊ ምስ ፖሊስ ብምኻን ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር መረዳእታ መሰረት ዝገበረ ስራሕቲ ይፍፅም ኣሎ ኢሎም:: ብሄር ፈሊኻ ሕጊ ንምኽባር ንቀሳቐሰሉ ምኽንያት የለን ብምባል ድማ ተዛሪቦም::

"ሕጊ ንምኽባር ብምባል ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ስልጣን ቦታ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ዘይኮኑ ኣይተኣሰሩን እዚ ብሄር እናፈለኻ ጥቓዓት እምበር ሕጊ ምኽባር ኣይኮነን" ዝብል ሓሳብ ምላሽ እንትህብሉ: መረዳእታ መሰረት ዝገበረ እዩ ክሲ ዝምስረት ኢሎም:: በቐፃሊ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕቲ ሓይሉ ክቕፅል እዩ ኢሎም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

XS
SM
MD
LG