ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ርብዒ ካብ ህዝቢ ኣፍሪቃ ቅልውላው ሕጽረት መግቢ የንጸላልዎ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ


ጉማ -መዓስከር ተመዛበልቲ ናይጀርያ -ፋይል

ርብዒ ህዝቢ ኣፍሪቃ ወይካኣ 346 ሚልዮን ህዝቢ፣ ቅልውላው ሕጽረት መግቢ ከምዘጋጠሞ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ መዓልታዊ ሓንሳብ ከይበልዐ ይሓድር ከምዘሎ፣ እዘን ዝቅጽላ ኣዋርሕ ኣዝየን ሓደገኛ ከምዝኾና መግለጺ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።

እቲ ቅልውላው፣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ካብ ሞውሪታንያ ክሳብ ቡርኪናፋሶ፣ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ካብ ሶማል ክሳብ ኢትዮጵያ ዝተዘርገሐ ከምዝኾነ ዝገለጸ፣ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ነቲ ቅልውላው ንምቅልባስ ምስ ዓሰርተ ሃገራት ብጽምዶ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ግጭትታት፣ ናይ ኣየር ምዝባዕን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ደርቂን ተደማሚሮም፣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ዝተፈጥረ ሕጽረት ዝናብ፣ ንብዝሒ ተፈናቀልቲ ብቅጽበት ንክውስኽ ከምዝገበሮ፣ ዋጋ ነዳዲን እኽሊን ንክኸብር ከምዘገደደ እቲ ዜና ይጠቅስ።

ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ዓለምለኸ ማሕበር ወርሒን ተሓባቢሮም፣ ኣብ ሶማል፣ ኬንያ፣ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ሱዳን፣ ናይጀርያ፣ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ቻድ፣ ኒጀር፣ ቡርኪናፋሶ፣ ማሊን ማውሪታንያን ይነጥፍ ከምዘሎ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG