ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ደቡብ ሱዳን ህውከት የላዕሉ ዘለው መርበባት ብልሽውና ብዝምልከት መፍትሒ ከናድይ ጻውዒት ቐሪቡ


ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ደቡብ ሱዳን ህውከት የላዕሉ ዘለው ዓለምለኸ መርበባት ብልሽውና ብዝምልከት መፍትሒ ኣብ ምድላይ ዝበለፀ ክሰርሕ ተሓለቕቲ መሰላት ይፅውዑ ኣለው።እዚ ፃውዒት ዝቐርብ ዘሎ ካብ ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ዘትርፉ ዘለው ኩባንያታት ዝምልከት ፀብፃብ ድሕሪ ምውፅኡ እዩ።ውሩይ ተዋሳኣይ ፊልም ጆርጅ ክሉኒ ዝመስረቶ ዘ ስንትሪ (The Sentry) ተባሂሉ ዝፅዋዕ ትካል ኣብ መንጎ ዕጡቓት ጉጅለታት ተሳተፍቲ ኲናት ሕድ ሕድ፣ ዓበይቲ ዓለምለኸ ኩባንያታት ነዳዲን እንግሊዛዊያን ኣሜሪካዊያን ዜጋታትን ርክብ ከምዘሎ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ 2013 ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከብ ፓሎውጅ ተባሂሉ ዝፅዋዕ መውፅኢ ነዳዲ ቦታ ሚንስትራት መንግስቲ ኣብ ጎኒ ቻይናዊያን ሰራሕተኛታትን ኩባንያ ‘ዳር ፔትሮለም’ (Dar Petroleum) ንጎዳጉዲ መውጽኢ ነዳዲ ብሓባር ከፊቶም ነይሮም።

ድሕሪ ኣዋርሕ ግን ዓሰተታት ኣሽሓት ሰባት ዝቐተለ ዘስካሕክሕ ኲናት ሓድሕድ ተጀሚሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ለንደን ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ ‘ዳር ፔትሮለም’ (Dar Petroleum) ዝተባህለ ትካል ኣብቲ ግጭት ይፃወቶ ዘሎ ተራ ብዝምልከት ዘ ስንትሪ ዝርዝር ሓበሬታ ኣቕሪቡ ነይሩ።ጆን ፕረንደርጋስ ሓደ ካብ መስረቲ ዘ ስንትሪ እዮም።

‘ዳር ፔትሮለም’ ብገለ ኣብ ዓለም ሓያላት ዝኾኑ ኩባንያታት ማለት እውን ብናይ ቻይና ሃገራዊ ኮርፐረሽን ፔትሮሊየም፣ናይ ኢንዶነዢያ ሲኖፐክን ፔትሮናስን ዝውነን እዩ።ኩሎም ኣብዚ ተሳተፍቲ እዮም።እዞም ብዝተፈላለያ ሃገራት ዝውነኑ ኩባንያታት ናይዚ ዘሰንብድ ኩነታት ዝሕቱል ተረባሕቲ ኣይነበሩን።እታ ሃገር ኣብ ምዕናው ብዕቱብ ክሳተፉ ፀኒሖም እዮም።ንጨካናት ሚሊሽያታት ደጊፎም፣ነቲ ከባቢ እውን መሪዞምዎ ወይ ኣበላሽዮም እዮም።ንሰበስልጣን መንግስቲ እውን ገንዘብ ክህቡ’ዮም ጸኒሖም።

ርእይቶታት ናይ ቻይና ሃገራዊ ኮርፐረሽን ፐትሮሊየምን ሲኖፐክን ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣስየለጠን።ፐትሮናስ እውን ካብ ድምጺ ኣሜሪካ ዝቐረበሉ ሕቶ ኣይመለሰን።

ንዘ ስንትሪ ካብ ዝመስረቱ ሓደ ጆርጅ ክሎኒ እቲ ኲናት ሕድ ሕድ ብዓለምለኸ ብልሽውና ከምዝተጋደደ ይገልፅ።

“ኣብ ዙሪያ ዓለም ካብዚ ቅልውላው እዚ ኣትረፍቲ ካብ ዝኾኑ ብዙሓት ሰባትን ኮርፐረሽናትን ገንዘብ፣ነዳዲ፣መጎዓዚያን ኣፅዋርን ይቕበሉ እዮም።”

መርመርቲ ናይዚ ብልሽውና ብደረጃ ሃገርን ዓለምለኸን ዝፍፀም ብልሽውና ነቲ ግጭት ከመይ ከምዘጋድዶ ንምፅራይ ንኣሽሓት ናይ ኢሜይል መልእኽትታትን ምንቅስቓሳት ገንዘብን መርሚሮም እዮም።

ኣብ ዘ ስንትሪ ዝሰርሓ ደብራ ላፕረቮቴ ከምዚ ይብላ።

“ጓል 20 ዓመት ጓል ፕረዚደንት ኪርን ናይ ወፃኢሃገር ዜጋታት ናይ ንግዲ መሻርኽታን ናይ ወላዲ ኣቡኣ ወታሃደራት መንግስቲ ፕረዚደንት ኪር ኣብ ዝቆፃፀሩዎ ግዝኣት ማዕድን ናይ ምውፃእ ፍቓድ ረኺቦም።ብሰንኪ እዚ ኣሽሓት ሰባት ካብ መንበሪኦም ተባሪሮም እዮም።”

ተንታኒት ራቸል ኢብረክ ድማ ብልሽውና ኣካል ናይቲ ስርዓት እዩ ትብል ።

“ሰባት ንሰዓብቶም ዝሽልምዎ ፖለቲካዊ በጀት ኣብ ምውህላል እዮም ተፅሚዶም።እዞም ፖለቲካዊ ባጀት እዚኦም ብድሕሪ መጋረጃ ዝካየዱ ስምምዓት እዮም።ሰባት እናተንቀሳቐስሉ ከለው ዝርኣይ ኣይኮነን።”

ምስ ሓደ ጀነራል ብምዃን ኩባኒያ ነዳዲ ዘጣየሱ ክልተ ኢንግሊዛዊያን ዜጋታት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ንወታሃደርነት ብሓይሊ ብምምልማል ከምዝተኸሰሱ እቲ ፀብፃብ ይገልፅ።

ኣራ ዶላሪያን ዝተባህለ ኣሜሪካዊ ነጋዳይ 43 ሚሊዮን ዶላር ዘውፅእ ኣፅዋር ንዓማፂ ጀነራል ፖል ማሎንግ ንምሻጥ ከምዝፈተነ እቶም መርመርቲ ገሊፆም ኣለው።

ነቲ ብልሽውና ዘቃልዑ ሰባት ዋጋ ኸፊሎምሉ እዮም።በዓል ሞያ ሕግን ተሓላቒ መሰላትን ዶንግ ሳሙኤል ሉዋክ ኣብ 2011 ኣብ ኬንያ ተኣሲሩ፤ኣብ 2013 ኣብ ደቡብ ሱዳን ተቐቲሉ።ምስ መርመርቲ ዘ ስንትሪ ይሰርሕ ነይሩ።ራቸል ኢብረክ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ትብል።

“ኣንፃር እዚ ብልሽው ስርዓት ደው ዝበሉ ሰባት ከጋጥሞም ዝኽእል ፀቕጥታት ምርኣይ ይክኣል እዩ።ዝፍፀም ዘሎ ብልሽውና ኣብ ምቅላዕ ግን ኣገደስቲ ምንባሮም ድማ ንርኢ ኣለና።”

ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ ነቲ ህውከት ዘጋድዱ ዘለው መርበባት ልሽውናንን ናይ ገበን ምንቅስቓሳትን እገዳታት ከንብር ዘ ስንትሪ ፀዊዑ’ሎ።

XS
SM
MD
LG