ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ዕልዋ ይኹንን


ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብዱል ፋታሕ ቡርሃን ወተሃደራዊ ሓይሊ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስት ካብ ስልጣኑ ምእላዩ ነታ ሃገር ካብ ኩናት ሕድሕድ ንምድሓን እዩ ኢሎም ። ቡርሃን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት እዋን ስግግር ዝነበረ ምንቅስቃስ ሓይሊታት ፖለቲካ ንጎንፂ ዝዕድምን ዘይምዕሩይን እዩ ነይሩ ኢሎም ።

“እዛ ሃገር ናብ ኲናት ሕድሕድ ክትኣቱን ሓድነታ ክትከፋፈልን ዘለዓዕሉ፣ ዓሌታዊነት ዘተባብዑ ዘረባታት ዝዛረቡ ሰባት ነይሮም ። ከምዚኦም ዝበሉ ማሕበራዊ ሓድነት እታ ሃገር ዝኸፋፍሉ ዘረባታት ብዘይ ሓላፍነትን ሓልዮትን ንህዝቢ ብመርበባት ሓበሬታ ክፍነዉ ሰሚዕናን ሪኢናን ኢና ። እዚኦም ድማ ኣብ ፀጥታ ሃገርናን ሰራዊትን ዝፈጥሮ ቀጥታኣዊ ተጽዕኖ ኣሎ።”

ካብ ሰኑይ ጀሚሮም ካብ ስልጣኖም ተላዒሎም ኣብ ቐይዲ ዝጸንሑ ቀዳምይ ሚኒስትር ሱዳን ዝነበሩ ዓብደላ ሓምዶክን ብዓልቲ ቤቶምን ትማሊ ኣማስዮም ናብ መንበሪኦም ተተመለሱ እኳ ሕጂ'ውን ግን “ኣብ ትሕቲ ናይ ቀረባ ክትትል” ከምዝርከቡ ተገሊጹ'ሎ ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ነቲ ውሳነ ንኢዶም: ሓምዶክ ንገዘኦም ድሕሪ ምምላሶም ብስልኪ ከምዘዘራረብዎምን: ሕጂ'ውን ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ንኹሎም ሲቪል መራሕቲ ክፈሖምን ንደሕንነቶም ክግደስን ደጊሞም ምፅውዖም ኣብቲ ትማሊ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም ። ከምኡ'ውን ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ስልጣን ዝተቆፃፀረሉ መንገዲ ከምዘተሓሳሰቦምን እቲ ንሰልፈኛታት ምላሽ ዝህበሉ ዘሎ መንገዲ ጉድኣት ካብ ምውራድ ክቑጠብን ተማሕጺኖም ። ኩሉ ሓቖፍ ሲቪላዊ መሪሕነት ስግግር ንዴሞክራስ ክምለስን እቲ ኣብ 2019 ዝፀደቐ ሕገመንግስቲን ስምምዕነት ሰላም ጁባ 2020 ክትግበር ድልየት ኣመሪካ ምዃኑ ገሊፆም ። እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዝኹንኑን ብኣንፃሩ ድማ ህዝቢ ሱዳን ንስቪላዊ ኣመራርሓ ፣ ንዴሞክራስን ሰላምን ዝገብሮ ዘሎ ፃውዒት ዝድግፉ ድምፅታት ይበዝሑ ምህላዎም ኣብ መግለፂኦም ኣተሓሳሲቦም ።

ሱዳናዊያን ዋላኳ ሕጂ'ውን መጥቃዕቲ ይወርዶም እንተሎ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት “ ወተሃደራዊ ምሕደራ ኣይንቅ፟በልን “ ክብሉ ኣብ ጎደናታት ካርቱም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም'ዮም ።

ሂውማን ራይትስ ዎች ብወገኑ 25 ጥቅምቲ,2021 ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዱ ስልጣን ተቖፃፂሩ ዝርከብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንመሰል ብሰላማዊ መገዲ ተቃውሞኦም ዝገልፁ ሰልፈኛታትን ኩሎም ሱዳናውያን ብሓፈሻ መሰሎም ከኽብር ይግባእ ክብል ትማሊ ዘውፀኦ መግለፂ ገሊፁ ። ኣግባብነት ዘይብሉ ሓይሊን ጉድኣት ካብ ምውራድ ክቑጠብ ፣ አብ ማእሰርቲ ዝርከቡ መራሕቲ ፖለቲካን ካልኦትን ክፍትሑ ፣ ተቋሪፁ ዝርከብ ንሞባይል ስልክን ሓፀርቲን መልእክትታት ፅሑፍን ዝሓወስ ኣብ ከምዚ ዝበል እዋን ሓቀኛ ሓበሬታ ዝርከበሎም መርበባት ሓበሬታ ኣዝዮም ወሰንቲ ብምኳኖም ኣገልግሎት ክጅምሩ ኣተሓሳሲቡ ።

ዳይሬክተር ሂውማን ራይትስ ዎች ኣፍሪቃ ማውሲ ሴጎን “ሰበ ስልጣን ወተሃደራዊ ሓይሊታት ሱዳን ሓይልታት ፀጥተኦም መሰል ምቅዋም ህዝቢ ሙሉእ ብሙሉእ ከኽብሩን ዝኮነ ሓይሊ ዝጥቐሙን ጉድኣት ዘብፅሑን ኣባላቶም ብሕጊ ተሓተቲ ክኮኑ ክገብሩ ከምዝግባእ ” ሓቢሮም ።ከም ሓበሬታ ኮሚቴ ዶክተራት ሱዳን ኣብቲ ብሶኑይ ዝነበረ ሰልፊ ተቃውሞ ካብ ሓይልታት ፀጥታ ብዝተተኮሰ ጥይት ኣርባዕተ ሰባት ክሞቱ ከለዉ ኣስታት 80 ዝኾኑ ድማ ምቑሳሎም ምግላፆም ዝዝከር እዩ ።

ኣብቲ ብሶኑይ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ብውሑዱ ሓሙሽተ ሚኒስተራት ካልኦት ሰበስልጣናትን መራሕቲ ፖለቲካን ምእሳሮም ማዕከናት ሓበሬታ ገሊፆም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ዕልዋ ይኹንን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:31 0:00


XS
SM
MD
LG