ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት- ትርጉም ስደተኛታት: ፍልሰተኛታት: ተመዛበልቲን ሓተቲ ዑቕባን


ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት- ትርጉም ስደተኛታት: ፍልሰተኛታት: ተመዛበልቲን ሓተቲ ዑቕባን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:31 0:00

ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት- ትርጉም ስደተኛታት: ፍልሰተኛታት: ተመዛበልቲን ሓተቲ ዑቕባን

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሰነ 20 ንኩነታት ስደተኛታት ኣፍልጦ ንምሃብ ዝተወፈየት መዓልቲ’ያ::

ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ፈለማ ዝተዘከረትላ መዓልቲ ኣብ 2001 ክኸውን ከሎ: ነቲ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ኣብ 1951 ዝሓለፈ ውሳነ ዋዕላ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት መበገሲ ዝገበረ ኮይኑ ስደተኛ ዝበሃሉ ኸመይ ዝበሉ ምዃኖም: መሰል ዑቕባ ዝተዋህቦም ውልቀሰባትን ሓላፍነት ዑቕባ ዝህባ ሃገራትን ዝገልጽ’ዩ::

ኣብ ነፍሲ ወከፍ 3 ሰከንድ ሓደ ውልቀሰብ ካብ መነባብርኡ ይመዛበል፥ ሓደ ካብ 97 ድማ ዑቕባ ይሓትት::

ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ወይ’ውን ስደተኛ ዝበሃሉ መን እዮም እንተኢልናብመሰረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋዕላ 1951 ስደተኛ ዝበሃል ብሰንኪ ዓሌት:ሃይማኖት: ፖለቲካዊ ኣረኣእያ: አባልነት ናይ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ዝበጽሖ ስቅያት ሃገሩ ገዲፉ ክወጽእ ዝተገደደ’ዩ::

ትካል ስደተኛታትሕቡራትሃገራት ክሳብ መወዳእታ ዓመተ 2019: 79.5 ሚልዮን ሰባትሃገሮም ገዲፎም ክወጹ ተገዲዶም’ዮም ይብል::

ሓተቲ ዑቕባ ዝበሃሉ ስደተኛታት ምዃኖም ዝገልጹ ግን ኩነታቶም ዘይተገምገመን ብወግዒ ኣፍልጦ ዘይረኸበን’ዩ::

ክሳብ መወዳእታ ዓመተ 2019 ብዝተአኸበ ሓበሬታ ውሳነ ሕቶ ዑቕባ ዘይተመለሰሎም 4.2 ሚልዮን ሰባት ኣብ ዓለም ኣለው።

ተመዛበልቲ ዝብሃሉ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ካብ መነበሪኦም ዝወጹ፡ ግን ዑቕባ ንምርካብ ዶብ ዘይሰገሩ’ዮም::

ዋላ’ዃ ብሰንኪ ግጭት: ጎንጺ: ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት መንበሪኦም እንተሓደጉን ዋላ’ውን ጠንቂ ስደት መንግስቶም እንተኾነ ብወግዒ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ መንግስቶም ዝርከቡ’ዮም::

ኣብ መወዳእታ 2019 ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 45.7 ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ተመዝጊቦም’ዮም::

ፍልሰተኛ ሓፈሻዊ ቃል ኮይኑ ንሓደ ብስንኪ ስቅያት ወይ ሞት ካብ መንበሪኡ ዝወጽ ግን ጠንቂ መውጽኢኡ ብቐጥታ ምስኡ ዝተሓሓዝ ዘይኮነ ውልቀሰብ ንምግላጽ ዝተዋህበ ቃል’ዩ::

ፍልሰተኛ ዝበሃሉ ብሕጋዊ ወይ’ውን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንጊዚኡ ወይ’ውን ብቐዋሚነት ዝንቀሳቀሱ ‘ዮም::

ብመሰረት ሓበሬታ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዓመተ 2020 ልዕሊ 280 ሚልዮን ፍልሰተኛታት ኣለው::

ዋላ’ዃ ስደተኛታት: ፍልሰተኛታት: ሓተቲ ዑቕባ: ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ተመሳሳልቲ እንተኾኑ ነፍሲ ወከፍ ምክፍፋል ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለየ ሓለዋ ይምደብ::

ብመሰረት ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት 1951 ንስደተኛታት ዝተዋህበ መሰል ንፍልሰተኛታት ግን ዘይተዋህበ ኔሩ’ዩ:ስደተኛታት ንህይወቶም ኣስጋኢ ናብ ዝኾነ ቦታ ክምለሱ ወይ’ውን ክስጎጉ ኣይክእሉን’ዮም::

ኣብቲ ዝኣተውዎ ሃገራት ድማ ሓለዋ: ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክወሃቦምን ምስቲ ማሕበረሰብ ክተሓዋወሱ ዘፍቕድ’ዩ ።

ብኣንጻሩ ፍልሰተኛታት ግን ብሕግታት ኢምግሬሽን’ታ ሃገር ዝቕየዱ ክስጎጉ ወይ’ውን ክምለሱ’ውን ተኽእሎ ዘለዎም’ዮም ።

XS
SM
MD
LG