ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ መዓልቲ ስቕያት ሎሚ ተዘኪሩ ውዒሉ


70 ዓመታት ሓሊፉ’ዃ እንተኾነ አብ ልዕሊ ሰባት ገና ብሰፊሑ ስቅያት ይፍጸም አሎ ክብሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸረ ስቅያት፡ ምግታእ ስቅያትን ፈንድ ግዳያት ስቅያትን ብሓባር ሎሚ ብምክንያት ዕለት ዝኽሪ ስቅያት አብ ዘውጽእዎ መግለጺ አፍሊጦም።

ኣብቲ ሎሚ ዝዝከር ዓለምለኸ መዓልቲ ጸረ ስቅያት ወላ ሓደ ሰብ ንስቅያትን ሕሱም ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛን መቅጻዕቲን ክቃላዕ የብሉን ዝብል ቅድሚ 70 ዓመታት ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንዘጽደቆ አድማሳዊ አዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልሕ’ዩ።

እዛ ሎሚ ንግዳያት ተግባር ስቅያት ደገፍ ንምሃብ ዝተመደበት ዓለምለኸ ዕለት ኹሎም ካብ አፍሪቃ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ዝመጹ አካላት ብሓባር ንጸረ ተግባር ግብረሽበራ ሓቢሮም ደው ምባሎም ዝገለጹላ ዕለት ኮይና አላ።

XS
SM
MD
LG