ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊነት ሎሚ ተዘኪሩ


ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊነት ምኽንያት ብምግባር ሎሚ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተኻየደ ስነርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊት ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ሚስስ ጁሊያን ሜልሶፕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንዝተጎድኡ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ንምሕጋዝ ይቓለስ ምህላው ሓቢረን።

ብውሕጅን ካልኦት ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት ንዝተጠቕዑን ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ብሰንኪ ዝፍጠሩ ግጭታት ካብ መነባብርኦም ንዝተመዛበሉ ንምሕጋዝ መንግስቲ ከቢድ ስራሕ ይሰርሕ ምህላው ብምግላፅ ነዚ ፃዕሪ ንምሕጋዝን ካብ መሰረቱ ንምፍታሕን ፀዊዐን።

“ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ በብመዓልቱ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሃገራዊን ዓለምለኻውን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ስራሓት ህይወት ኣድሕን እናሰርሑ ይርከቡ።….. ኣብ ቅድሜኹም ደው ኢለ ዘቕርበልኩም ፃውዒት ድልየት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝግባእን ውፅኢታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ንምምላእ ኣብቲ ስራሕ ዝተዋፈርና ድልውነትና ሓፍ ክነብል ይግባእ።ብተወሳኺ እውን እቲ ፀገም ካብ ምንጩ ንምጥፋእ ክንሰርሕ ኣለና።ኩሉ ሰብ ብነፃነት፣ብዘይስግኣትን ብኽብርን ክነብር ኣለዎ።”

ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኸቡ ዕዱማት ደም ለጊሶም ኣለው።ጂሊያን ሜልሶፕ ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ካብ ዝልግሶ ዓብዪ ህያብ ልግሲ ደም ሓደ እዩ ክብላ ኣብቲ ቦታ ንዝነበሩ ኣተባቢዐን ኣለዋ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብሰንኪ ዝልዓሉ ግጭታት ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ቁጽሪ ልዕሊ 2.8 ሚሊዮን በፂሑ’ሎ።

XS
SM
MD
LG