ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ለበዳ ኣብ ናጽነት ፕረስ ጉድኣት ከምዘብጸሓ ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ገሊጹ


‘ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፣ ንምድራት ናጽነት ፕረስ፣ መደናገሪ ሓበሬታታት ንክዝርጋሕን፣ ቁጽሪ ንጋዜጠኛታት ምቹእ ባይታ ዘለወን ሃገራት ክጎድል፣ ጠንቂ ይኸውን ከምዘሎ ዶብ አልቦ ሪፖርተራት ኣፍሊጡ።

ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት ኣብ ቀረባ እዋን ንናፅነት ፕረስ መሓውራት ዜና ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ዝርዝር ቅደም ሰዓብ ሃገራት ብዙሕ ዘሐጉስ ዜና ከም ዘይብሉ ገሊፁ ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሕ ለውጢ ከምዘየለን ኣብ ቀረባ እዋናት ሓፈሻዊ መለክዒ ናፅነት ፕረስ ዓለም ኣዝዩ ከምዝወረደ ዘርኢ እዩ ኢሉ ።

ሃገራት ስካንዲኒቭያንስ ንኮስተሪካ ኣስዒቦም ብመሰረት እቲ ሓፈሻዊ መለክዒ ኣብ መስርዕ ፈላሞት የቀምጠን ። ኖርወይ ንሓምሻይ እዋን ቀዳመይቲ ኮይና ትመርሕ ኣላ ። ሰሜን ኮርያ ድማ መበል 180 ኮይና ንቱርከምኒስታን ፣ቻይናን ጁቡቲን ኣቀዲማ ኣብ መወዳእታ ኣስፊሩዋ ኣሎ ።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ምዕፋን ሓበሬታ ልዑል ግደ ከምዝነበሮ ወሃቢት ቃል ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት ፖውሊን ኣዴስ ሜዌል ይዛረባ ።

" ኣብ 180 ሃገራት ዝተኻየደ ንናፅነት ፕረሰ ዝግምግም ቅደም ሰዓብ እዚዓመት ከምዘርእዮ ጋዜጠኝነት ብዛዕባ ሜላ መከላኸሊ እቲ ቫይረስ ኣመልኪቱ ዝሕቦም ሓበሬታታት ከም ፈላማይ ፈውሲ ክታበት ኮይኖም እናሃለዉ ኣብ ሓደሓደ ሃገራት ሙሉእ ብሙሉእ ክኽልከሉ ወይውን ክዕፀዉ እዮም ተገይሮም። እዚኦም ካብቶም መፅናዕቲ ዘካየድናሎም እቲ ዝዓበየ ቁፅሪ ዝሕዙ እዮም ። "

ብራዚልን ቬንዙዌላን መበል 111ን 148 ኮይነን ኣብቲ መስርዕ መለክዒ ተቀሚጠን ይርከባ ።መራሕተን ዘይተረጋገፁ ፈውስታት ኮቪድ 19 ብምቅራብ ፣ ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ዝተጋገየ ጥርዓናት ከቅርቡ ፀኒሖም ሐጂ'ውን እንተኾነ መርመራዊ ፀብፃብ ንምስራሕ ከምዝተኸልከሉ እዩ ሓበሬታ ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት ይሕብር ።

ኣዴስ ሜዌል ኣብ ኢራን:ግብፅን ኣልጄሪያን ዝበላ ሃገራት ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት ንብራኸ ቁፅሪ ተጠቃዕቲ ኮቪድ 19 ኣመልኪቶም አብ ዝፅብፅብሉ እዋን ብሰበስልጣናት ሓደጋ ይወርዶም ምንባሩ ፤ ካልኦት መንግስታት ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ጋዜጠኛታት ስራሕቶም ከይሰርሑ ይዕፍንዎም ምንባሮም ገሊጸን።ንሰን ዋላዃ ኣብ መላእ ዓለም ክልከላታት እንተነበሩ ጋዜጠኛታት ሓበሬታ ንምቅባልን ዝተፈላለዩ ሰልፍታት ንምሽፋን ናብ ዝወፍርሉ እዋን ብዙሕ ምክልባትን ማእሰርትን ገጢሙዎም እዩ እየን ኢለን ።

ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ብዝተወሰነ መልክዑ ዝሐሻ ሃገራት ኮይነን ።ካብ ኣፍሪቃ ዝተሓዋወሰ ሓበሬታ ዘቀረበ ኮይኒ ከም ቡሩንዲ፣ ሴራልዮን ማሊን ዝበላ ሃገራት ኣብ መለክዒ ናፅነት ፕረስ ምምሕያሽ ዘርኣያ ኮይነን ኢትዮጵያ ግና በቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኲናት ክልተ ቁፅሪ ንታሕቲ ወሪዳ ትርከብ ኢሉ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::

XS
SM
MD
LG