ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለማዊ መጋብኣያ ዘ-ሄግ መስርሕ ፍርዲ ጥርጡር ህልቂት ርዋንዳ ጀሚሩ


ፈሊሴን ካቡጋ
ፈሊሴን ካቡጋ

ኣብ ዘ-ሄግ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ዓለማዊ መጋብኣያ መስርሕ ፍርዲ እቲ ነዊሕ እዋን ተኸዊሉ ዝጸንሐን ኣብቲ ኣስታት 800-ሽሕ ዜጋታት ዝወሰደ ህልቂት ርዋንዳ መሪሕ ተራ ምጽዋቱ ዝኣመነሉ ፈሊሴን ካቡጋ ሎሚ ሓሙስ ጀሚሩ። ን26 ዓመታት መንነት ቀዪሩ ተሓቢኡ ዝጸንሐ ካቡጋ ቅድሚ ክልተ ዓመት’ዩ ኣብ ፓሪስ ተታሒዙ። መስርሕ ፍርዲ እቲ ኣብ ምወላ እቲ ህልቂት ዓቢ ተራ ዝነበሮ ሰብ ምጅማሩ ንስድራቤት ግዳያት ሓደ ዕረፍቲ ዝህብ’ዩ ክብሉ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ወዲ 67 ዓመት ካቡጋ፡ ኣብቲ ህልቂት መሪሕ ተራ ምጽዋታ ዝንገረላ ረድዮ RTLM መስራቲን ወናኒን ዝነበረ ኰይኑ፡ ምስ ሰበስልጣን ሁቱን መበገሲ እቲ ዕግርግር ምዃኑ ዝኣመነሉ ኣብቲ እዋን ዝተቐትለ ፕረዚደንት ጁቨነል ሃብያሪማና ጥቡቕ ቅርበት ነይሩዎ። ብዘይካ’ቲ ጽልኢ ኣብ ምንዛሕ ዓቢ ተራ ዝነበራ መደብር ረድዮ፡ ካቡጋ ነቲ ህልቂት ዘቀላጥፍ ኣጽዋር ኣብ ምግዛእ ቍልፊ ምንባሩ ይኽሰስ።

XS
SM
MD
LG