ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዒድ ኣል ኣድሓ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ተኸቢሩ


መበል 1,439 በዓል ኢድ ኣል-ኣድሓ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ተኸቢሩ ውዒሉ።ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበረሰብ ኣመንቲ እስልምና ንበዓል ኢድ ኣል ኣድሓ ሓድነቱ ብምፅናዕን ብይቕሬታን ከኽብር ፃውዒት ቀሪቡ’ሎ።

ኣብ ኤርትራ ዋና ፀሓፊ ቤት ፅሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያት ኤርትራን ሸኽ ሳሊም ኢብራሂም ኣል-ሙኽታር ናይ ሎሚ ዓመት ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ኣብዝተፈረመሉ እዋን ይኽበር ምህላው ገሊፆም።

ኣኸባብራ ዒድ ኣል ኣድሓ ኣብ አዲስ አበባ
ኣኸባብራ ዒድ ኣል ኣድሓ ኣብ አዲስ አበባ

ኣሽሓት ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ስታዲዮም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ዒድ ኣል- ኣድሓ መደረ ዘስምዑ ተወካሊ ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ሃይማኖት እስልምና ሓጂ ሙፍቲ ዑመር ኢድሪስ እስልምና ናይ ኩነኔ፣ምቕታልን ካልእ ኣፈላላይ እምነት ኣይኮነን ኢሎም።

ኣብ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ኣደባባይ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ሚንስተራት ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ኣመንቲ ኣመንቲ እስልምና ኣብዝተረኽብሉ ስነስርዓት ብድሙቕ ከምዝተኸብረ መንግስታዊት መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ሓቢራ።

ኣኸባብራ ዒድ ኣል ኣድሓ ኣብ ኣስመራ
ኣኸባብራ ዒድ ኣል ኣድሓ ኣብ ኣስመራ

ኣብቲ ስነስርዓት መደረ ዘስምዑ ዋና ፀሓፊ ቤት ፅሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያት ኤርትራን ሸኽ ሳሊም ኢብራሂም ኣል-ሙኽታር ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ናይ 20 ዓመታት ሃዋህው ኲናት ከብቅዕ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ተመሳሳሊ ፀገም ንዘለወን ካልኦት ሃገራት ኣብነት ክኸውን እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዒድ ኣል ኣድሓ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ተኸቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:19 0:00


XS
SM
MD
LG