ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዑደት ኢቫንካ ትራምፕ ኣብ ኢትዮጵያ


ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ተኻይድ ዘላ አማኻሪት ቤተ መንግስቲ ዋይትሃውስን ጓል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኢቫንካ ትራምፕ ኣብቲ ሎሚ ኣብ አዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ኣብ ምሕያል ደቂ ኣንስትዮ ዝዝትይ ዛዕባ ምስታፋ ተፈሊጡ።

እቲ ዘተ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ቁጠባ ንኣፍሪቃ ዝተዳለወ’ዩ። ኣብቲ ዘተ ኢቫንካ ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ሳሕለወርቅ ዘወደ ተራኺበን ተዘራሪበን።ኢቫንካ ትራምፕ ኣብቲ ዘተ ተረኺባ ከምዚ ኢላ።

“ ኣብ ኣፍሪቃ ኣስታት 15 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ወነንቲ መሬት’የን። ዝበዝሓ ሕጋዊ ኾነ ባህላዊ ምምሕዳር ዝኽተላ ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ መሬት ከይወርሳ ይክልኽላ። 18 ካብ ሃገራት ዓለም ደቂ ተባዕትዮ ንበዓልቲ ሓዳሮም ኣብ ስራሕ ከይትዋፈር ክኽልክሉ ሕጋዊ መሰል ኣለዎም ፍርቂ እዘን ሃገራት ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ይርከባ። እዚ ከምዚ ዝዓመሰላ ብድሆታት ጾታዊ ማዕርነት ክንዛረበሉ ይግባእ።”

ዑደት ኢቫንካ ትራምፕ ኣብ ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:29 0:00

ፕረዚደንት ሳሕለወርቅ ዘውደ ብወገነን “ መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ምልዋጥ ፖሊሲ ክሰርሑን ንምሉእ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መዳይ ቁጠባ ዘፍቕድ ሕጋዊ ስርዓትን ከዳልውን ኣለዎም” ኢለን።

ዕላማ’ቲ ኢቫንካ ትራምፕ ኣብ ኢትዮጵያን ኣይቭሪኮስትን ተኻይዶ ዘላ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ኣብ 2025 ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዘለዋ 50 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮም ንምብርታዕ ዝዓለመ ፕሮጀክት ዋይት ሃውስ’ዩ።

XS
SM
MD
LG