ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዑደት ብሊንከን ናብ ኣፍሪቃ ብመንጽር ተመራማሪ ኣህጉራዊ ጉዳያት


ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጠቓለለ ዑደት ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ዑደት ኣመልኪቱ ትንተና ንኽህብ ንዶክተር ሚኪኤል ወልደማርያም ተወኪስናዮ ኔርና። ዶ/ር ሚኪኤል ኣሶሴይት ፕሮፈሰር ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ዳይረክተር ማእከል ምርምር ኣፍሪቃ ኣብ ቦስተን ዩኒቨርስቲን’ዩ።

ሕቶ፡ዑደት ሚኒስትር ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ኣፍሪቃ ክሳብ ክንደይ’ዩ ኣገዳሲ፧ እዚ ዑደት’ከ ምምሕዳር ባይደን ምስ ኣፍሪቃ ዘለዎ ጽምጾ ዝቕይር መሲሉ’ዶ ይስመዓካ፧

መልሲ፡ እቲ ዑደት ብብዙሕ መልክዓቱ ኣገዳሲ’ዩ። ክሳብ ሕጂ ምምሕዳር ባይደን ዝለኣኾ ዝለዓለ ፖለቲካዊ መዝነት’ዩ። እዚ ከኣ ምምሕዳር ባይደን ምስ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብዓቢኡ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ክህሉዎ ዝደልዮ ዝምድና ዘርኢ’ዩ። ስለዚ ከኣ ብተበግሶን ክህሉዎ ዝኽእል ተራን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።

ጸሓፊ ብሊንከን ናብታ ኣህጉር ዝጓዓዘሉ ዘሎ እዋን ድማ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ሓያሎ፡ ኣመሪካ ክትምልሶም እትደሊ ጉዳያት ተንጠልጢሎም ኣብ ዘለዉሉ ግዜ’ዩ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሕልፊ ድማ ሱዳን ዘሎ ቅውላዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናትን ካብቶም ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ዘለዉ ጉዳያት’ዮም። ካልእ ኣብ ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ስእነት ጸጥታ’ውን ካልእ መዘራረቢ ኣርእስቲ’ዩ። ስለዚ ዑደት ብሊንከን፡ ኣብታ ኣህጉር፡ ኣመሪካ ብቐረባ ክትከታተሎም ዘገድሱዋ ወሰንቲ ፍጻመታት ኣብ ዘሎ ግዜ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

እዚ ዑደት ኣብ ለውጢ ፖሊሲ ምምሕዳር ባይደን ተራ ኣለዎ’ዶ ትብል ክምለስ። ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ እንተ ርኢናዮ፡ እቶም ቀዳምነታት ሕጂ’ውን ተመሳሳልቲ’ዮም። ንሳቶም ከኣ ምስ ቻይናን ራሻን ውድድር፡ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ዝግበር ወፍሪን ብሰፍሐ ርግኣትን ምስፋን ናጻን ደሞክራሲያዊን መርሓ ወዘተ። ኢዮም። እዚኣቶም እቶም ቀንዲ መዋቕር ኰይኖም ኣብ ኣተኵሮ ግን ፍልልይ ኣሎ።

ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ ምምሕዳር ብምውድዳር፡ ምስፋን ደሞክራሲያዊ ስርዓት ካብቶም ምምሕዳር ባይደን ዝለዓለ ቦታ ዥቦም ኣጀንዳ’ዮም። እቶም ዓለማዊ ውድድር ምስ ሓያልን ሃገራት ከም በዓል ራሻን ቻይናን ዘሎ ምጥምማት’ውን ብመጠኑ ኣንፈቱ ዝቕይር ዘሎ ይመስል። ምምሕዳር ባይደን ምስ ኣፍሪቃ ዝገብሮ ዘሎ ጽምጾ ኣብ ንግዳዊ ልውውጥ ጥራይ ዘተኰረ ኣይኰነን። ምስተን ካልኦት ሃገራት ከም በዓል ቻይና ክርአ እንከሎ፡ ንሳተን ኣብ ክልተኣዊ ንግዳዊ ልውውጥ ወይ ዕዳጋ ክርእያ እንከለዋ፡ ምምሕዳር ባይደን ግን ዝያዳ ኣብ ምስፍሕፋሕ ደሞክራሲ ዘተኰረ’ዩ።

ዑደት ብሊኒከን ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ድማ ኬንያ’ኸ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሽግር ክፍትሕ ወይ ከቃልል ተኽእሎ ኣለዎ’ዶ ትብል፧

መልሲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ቅልውላው ክፈትሖ ወይ ድማ ዓቢ ጽልዋ ከምጽኣሉ ኢልካ ምግማት ዝከኣል ኣይመስለንን። እዚ ዑደት እቲ ግጭት ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ኣብ ዝዓርገሉ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኵነታት ኣብ ወሳኒ ነጥበ-መቐይሮ’ዩ በጺሑ ዘሎ። በቲ ሓደ ወገን ናይ ትግራይ ሓይልታት ወሰንቲ ከተማታት እናተቖጻጸሩ ንማእከል ገጾም ይደፍኡ ኣለዉ። እዚ ገስጋስ’ዚ ንገለ ወገን ንፖለቲካዊ ፍታሕ ዝደፍእ ክርእዩዎ ይኽእሉ ይዀኑ። እቲ ዝመጽእ ሕቶ ግን መወዳእታ ዕላማ ናይ ክልቲኦም ወገናት እንታይ’ዩ ዝብል’ዩ። ፖለቲካዊ ፍታሕ ንኽመጽእ ንጻረ ናይቲ መወዳእታ ክብጻሕ ዝድለ ዕላማ የድሊ።

ንነዊሕ እዋን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘተ ድሉው ዘይምዃኑ’ዩ ከመልክት ጸኒሑ። ኣብ ባይታ ዘሎ ገስጋስ ምናልባት ንዘተን ፖለቲካው ፍታሕን ክመርሕ ዝኽእል ይኸውን። እቲ ቀንዲ ንማሕብረሰብ ዓለም ዓቢ ሻቕሎት ዝፈጥር ግን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ኣዝዩ ገዲዱ ምህላዉ’ዩ። እዚ ድማ በበይኖም ፖለቲካውያን ውድባት ክደፍኡ ምስ ዝጅምሩ ኢትዮጵያ ንኽትበታተን ዓቢ ተኽእሎ ስለ ዘሎ፡ እዚ ንማሕብረሰብ ዓለም ኣሻቓሊ’ዩ። ስለዚ እምበኣር’ዩ ዑደት ብሊንከን ኣብዚ ወሳኒ እዋን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝገብሮ። ብሓደ ወገን ንፖለቲካዊ ዘተን ነባሪ ፍታሕን ተኽእሎ ዘሎ ይመስል፡ በቲ ካልእ ድማ እቲ ኵነታት ፈጺሙ ግዜ ዘይህብ ምዃኑ’ዩ። ሕጂ ሓደ መፍትሒ እንተ ዘይተረኺቡ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጥማት ናብ ዝገደደ ሕንፍሽፍሽ ክመርሕ ይኽእል’ዩ።

ሕቶ: ተራ ካልኦት ሓያላን ተወዳደርቲ ሃገራት ከም ቻይናን ራሻን’ከ ኣብዚ መዳይ ከመይ ትግምግሞ፧ ዑደት ብሊንከን ነዚ ፖለቲካዊ ምትፍናን ዓበይቲ ሃገራት’ውን ኣየናይ ሓይሊ ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ኢድ ከም ዘለዎ ንምርኣይ’ዶ ይመስል፧

መልሲ፡ እወ። ልክዕ’ዩ፡ እቲ ጆኦ-ፖለቲካዊ ኵርናዕ ኣብዚ ኣገዳሲ’ዩ። ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ድምዶ ከመይ ክትገብሮ ከም እትደሊ’ውን ንሞስኮን በይኒጅግን ዘገድሰን’ዩ። ኣብ መንጎ ምምሕዳር ባይደንን ትራምፕን ግን ናይ ኣተሓሕዛ ፍልልይ ኣሎ። ምምሕዳር ባይደን ኣብ ክልተኣዊ ርክብ ዝተመርኰሰ ዝምድና ይደሊ ከም ዘሎ’ዩ ዘመልክት። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ቻይናን ራሻን ትወዳደር ከም ዘላ ርዱእ ደኣ ይዅን እምበር፡ ንሃገራት ኣፍሪቃ ግን “ሓደና ምረጹ” ዘስምዕ ጸቕጢ ትገብር የላን። እዚ ብውሑዱ ካብቲ ዝዝረብን ምምሕዳር ባይደን ዝሰዶ ዘሎ መልእኽቲን’ዩ። ስለዚ እምበኣር ዑደት ብሊንከን ንኣፍሪቃ ነዚ ዓለማዊ ውድድር መልእኽቲ ዝህብ ደኣ ይዅን እምበር፡ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምምሕዳር ትራምፕ ተወዳዲሩ ግን ክሳብ ክንድቲ ናይ ምውድዳር መንፈስ ዘለዎ መሲሉ ኣይስመዓንን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል ።

ዑደት ብሊንከን ናብ ኣፍሪቃ ብመንጽር ተመራማሪ ኣህጉራዊ ጉዳያት
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:57 0:00

XS
SM
MD
LG