ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዑደት ቀ/ሚ አብይ ኣብ ኬንያ ዝነበረ ርክብ ክልቲኣን ሃገራት ክብ ንምባል ምኳኑ ተገሊጹ


ዑደት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ አብይ አሕመድ ኣብ ኬንያ ንዝጸንሓ ጽቡቅ ርክብ ክልቲኣን ሃገራት ናብ ክብ ዝበለ ብርኪ ንምስግጋር ዝተገብረ’ዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ገሊጾም።

ንከተማ ሞያሌ ዓባይ ከተማ ንግዲን ኢንዳስትሪን ንምግባር ክልቲኦም መንግስታት ምስምምዖም’ውን ተገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ አቶ መለስ አለም ትማሊ ምሸት ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝበልዎ ዑደት ቀ/ሚ አብይ አሕመድ፡ ኢትዮጵያ ምስ ኬንያ ንዘለዋ ርክብ ትኹረት ከምትህብ ንምርኣይን ቅድሚ ሎሚ ዝተገብሩ ስምምዓት ናብ ተግባር ዝትግበርሉን ህዝብታት ክልቲኣን ሃገራት ተረባሕቲ ምግባርን ንዝብል’ውን ንምርኣይ’ዩ ኢሎም።

ርክብ ከልቲኣን ሃገራት ኣብቲ ዘይቅሱንን ብህውከት ዝፍለጥ ከባቢ ምብራቅ ኣፍሪቃ መርአያን ሰላምን ምድግጋፍን’ዩ ዝበሉ አቶ መለስ አለም ዕላማ’ቲ ዑደት ነቲ ዝነበረ ናብ ክብ ዝበለ ብርኪ ምስግጋር’ዩ ብምባል አብነታት ጠቂሶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG