ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ው/ሕ/ሃ ኣብ ትግባረ ብይን ዶብ ክተሓጋገዝ ድልው ምህላው ኣፍሊጡ


ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ

ላዕለዋይ ጉጀለ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምብጽሑ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ዘኽእል ፈላማይ ጭቡጥ ስጉምቲ እዩ ክብሉ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ገሊጾም።


እቶም ዋና ጸሓፊ ብተወሳኺ: ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ከሪሩ ዝጸንሐ ውጥረት ንምህዳእን ንነዊሕ ዝቐጸለ ምስሕሓብ መፍትሒ ንምርካብን ዝግበር ጻዕሪ ዲፕሎማሲ ኣብ ሙሉእ እቲ ዞባ ኣወንታዊ ጽልዋ ክህልዎ ምዃኑ ምግላጾም ወሃቢ ቃሎም ኣፍሊጦም።


ክልቲኤን ሃገራት ንብይን ዶብ ኣብ ዝትግብራሉ እዋን: ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የድሊዩ ኢሎም ኣብ ዝኣመኑሉ እቲ ውድብ ክተሓጋገዝ ድልው ምህላው ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶን ዮ ጉተረዝ ኣፍሊጦም።

XS
SM
MD
LG