ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ዛጊት ኣይተፈለጠን


ተዓዋቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ዲሞክራት መወዳድርቶም ጆ ባይደንን ክልቲኦም ክዕወቱለን ትፅቢት ኣብ ዝተገበረለን ክፍል ግዝኣታት ተዓዊቶም ኣለው።

ይኹን እምበር ወፅኢት ክፍለ ግዝኣታት ኖርዝ ካሮላይና፣ ጆርጂያን ፔንሲልቫኒያ ካብ ምብራቕ ኣሜሪካ፣ሚሽጋንን ዊስከንሴን ካብ ማእኸላይ ምዕራብ ኣሪዞና ካብ ደቡብ ምዕራብ ዛጊት መን ከምዝተዓወተ ኣይተረጋገፀን።

ፕረዚደንት ትራምፕ ሎሚ ረቡዕ ንጉሆ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ቀሪቦም ተዓዋቲ ምዃኖም ብምእማን ምቑፃር ድምፂ ጠጠው ንምባል ናብ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ከምዝኸዱ ገሊፆም ኣለው።

ናይ ባይደን ወፍሪ እቶም ፕረዚደንት ምቑፃር ጠጠው ንምባል ዝሃብዎ ቃል ኣነዋሪ እዩ ክብሉ ግብረ መልሲ ሂቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG