ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድድር ኵዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ: ካሜሮናውያን ክታበት ኮቪድ19 ንምውሳድ ይቀዳደሙ


ሰንበት 9 ጥሪ ኣብ ዝጅምር ውድድር ኵዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ንምዕዛብ፡ ደገፍቲ ካሜሮን ክታበት ኣንጻር ኮቪድ19 ንምውሳድ ይጓየዩ ከም ዘለዉ ሰበ- ስልጣን እታ ሃገር ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። እዚ ዕብየት ዝርአ ዘሎ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ’ታ ሃገር ተዓዘብቲ ናብ ስታድዩም ንኽኣትዉ ምስክር ክታበት ክርእዩ ክሕተቱ ምዃኖም ድሕሪ ምፍላጦም’ዩ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ያውንደ ካሜሮን፡ ክታበት ንምውሳድ ነዊሕ ሪጋ ዝጽበዩ ዘወርቲ ታክሲን ሞቶር-ብሽክለታን ይርኣዩ። ዘዋሪ ታክሲ ዝዀነ ጋብሪኤል ንድዘ ነቲ ነዊሕ ዝተጸበዮ ውድድር ንምዕዛብ እታ እንኮ መገዲ ክታበት ብምውሳድ ጥራይ ብምዃና መስርዕ ሒዙ ክጽበ ከም ዝወሰነ ንድምጺ ኣመሪካ ይሕብር። ንድዘ ወሲኹ፡ ነቲ ክታበት ከም ዘይኣምነሉ ደኣ ኣይሕባእ እምበር፡ እታ ንኸም በዓል ሳዴዮ ማነን ናይ ሴነጋልን መሓመድ ሳልሕ ናይ ግብጺን ክርእየላ ዝኽእል እንኮ መገዲ ክታበት ምዃና ስለ ዝፈለጠ ክወስድ ከም ዝተገደደ ይሕብር።

ሰራሕተኛታት ሆቴል፡ ኣብያተ-መግቢ፡ ዘወርቲ ኣውቶቡሳት ኣብቲ ውድድር ኢድ ክህሉዎም እንተዀይኑ ክታበት ክወስዱ ሰብ-መዚ ካሜሮን የተሓሳስቡ ኣለዉ።

ካሜሮን ካብ ቻይና፡ ኣመሪካን ኤውሮጳን ሚልዮናት መጠን ክታበት ኮቪድ19 ገዚኣ ነቲ ውድድር ብውሑስ መገዲ ከተሕልፎ ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ።

ካብ ካልኦት ሃገራት ነቲ ውድድር ክዕዘቡ ዝመጹ ደገፍቲ፡ ሰብ-መዚን ተጻወቲን ገና ናብታ ሃገር ኣብ ዝኣትዉሉ እዋን ኣትሒዞም ካብ መልከፍቲ ኮቪድ19 ናጻ ምዃኖም መረጋገጺ ከም ዝሕተቱ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡

XS
SM
MD
LG