ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድድራት ኦሎምፒክ ቶክዮ “ኣሰልቻዊ” ከይከውን ይፍራሕ ኣሎ


ኣካይድቲ ውድድራት ኦሎምፒክ ቶክዮ፡ ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምቍጽጻር ዝገብሩዎ ዘለዉ ኣገባባት፡ ንጽንብላት ዕዉታት ተወዳደርቲ ከየሰልኪ ስክፍታት ይፈጥር ኣሎ። ኣብቲ ዓርቢ ዝጅመር ውድድራት፡ ተዓዝብቲ ኣብ ዘይብሉ ስታድዮማት’ዩ ክካይድ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዕዉታት ኣትለታት ከይተሓቛቘፉን ድሕሪ ዓወቶም ብኢድ ከይጨባበጡን ዝኽልክል’ዩ። ንብኩራት ተዓዝብቲ፡ ብሰብ-ሰርሖ ናይ ድጋፍ ድምጺ’ዩ ክመልእ። ድሕሪ ዓወቶም፡ ካብ ኣካይድቲ ውድድር መዳልያ ዝቕበሉ ዝነበሩ ዕዉታት ድማ ሽልማቶም፡ ኣብ ቢያቲ ድሕሪ ምቕባሎም፡ ባዕላቶም ኣብ ክሳዶም ከግብሩዎ ክግደዱ’ዮም። ተዓዘብቲ፡ ካብ ደገ፡ ባዕለ-ስእሊ (selfie) ወሲዶም፡ ንዕዉታት ኣትለታት ንምድጋፍ፡ ኣብቲ ዝዝርጋሕ ዓቢ ናይ ቪድዮ መጋረጃ ክልጥፉ ክኽእሉ’ዮም።

እታ ንምክልኻል ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዕጽዋ ዘላ ጃፓን፡ ነዚ ኣዝዩ ሓጻሪ ስጕምቲ ክትወስድ እንከላ፡ ድሮ ሰለስተ ተወዳደርቲ ብቫይረስኮሮና ምልካፎም ክፍልጥ እንከሎ፡ ካልኦት ናብ ቶክዮ ዝተጓዕዙ ጋዜጠኛታትን ኣካይድቲ ኣካላትን’ውን፡ በቲ ከቢድ ቍጽጽር ስለ ዝረብረቡ፡ መምርሒታት ይጥሕሱ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG