ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድድራት ኦሎምፒክ ቶኪዮን ፈጢሩዎ ዘሎ ዘይምቹእነትን


ምስ ውሕስነትን ኣገባብን ቫይረስ ኮሮና ተኣሳሲሩ፡ ውድድራት ኦሎምፒክ ቶኪዮ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ክጅመር። ብሰንኪ’ቲ ንውሕስነት ተወዳደርቲ ዝግበር ዘሎ ደቂቕ ምጽራይ ግን ድሮ እኳ ብገለ ማዕከናት ዜና፡ “ኣሰልቻዊ” ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ።

ኣመሪካዊት ጎያዪት ማእከላይ ርሕቀት ኮርትኒ ፍረደሪክስ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ከቢድ ውድድር ይጽበያ ኣሎ። ከም ካልኦት መዛኑኣ ኣትለታት ግን ሻቕሎታ ብዛዕባ ውድድር ጥራይ ኣይኰነን። ካብኡ ተወሳኺ ግዜ ዝወስደላ ዘሎ፡ ንውሕስነት ለበዳ ቫይረስ ተባሂሉ ብኣካየድቲ ኮሚተ ዝወጸ መምርሒ ድሕነት ምክትታል’ዩ።

ንሳ ዝከኣላ ደኣ ትገብር ትሃሉ እምበር፡ ነቲ ኵሉ መምርሒታት ብደቂቕ ምክትታሉን ምትግባሩን ቀሊል ከም ዘይኰነ ኮርትኒ ትሕብር። ኣብ መንጎ ልምምዳ፡ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ግን፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሓት ግድንን ኣዳላዪን ምዃኑ ትኣምን። “ገና ኣብ ለብዳ ስለ ዘሎና ብዕቱብ ክንክተሎ ግድን’ዩ” ትብል። ኣብ ርእሲ’ቲ ውድድር ተወሳኺ ተጽዕኖ ምዃኑ ግን ኣይሓብአትን።

ኣካየድቲ ውድድራት ኮሚተ ኦሎምፒክ ቶክዮ፡ 70 ገጻት ዝሓቘፈ ኣዝዩ ዝርዝራዊ መምርሒ ድሕነት’ዮም ኣውጺኦም። ገለ ካብቲ መምርሒታት ኣትለታት ንበይኖም ክበልዑን ኣብ ከተማ ከይዛወሩን ዝኽልክል’ዩ። ናይ ኢድ ሰላምታ፡ ምትሕቝቛፍን ኣካላዊ ምትንኻፍን ፍጹም ክልኩል ኰይኑ፡ ምናልባት ኣብ ውሽጢ ገዛኦም እንተ ዘየህሊኾም፡ ኣልኮላዊ መስተ’ውን ክልኩል’ዩ።

ተወዳደርቲ፡ ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ዝገብሩዎን ዝፍጽሙዎን ስራሓት ብደቂቕ ብጽሑፍ ከረክቡ ይሕተቱ። ውድድሮም ድሕሪ ምውዳኦም ድማ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ጃፓን ክወጹ ትጽቢት ይግበር።

ብሰንኪ’ቲ ኣዝዩ ዝርዝራዊ መምርሒታት ድማ ገለ ጋዜጠኛታት “ዝተረግመን ኣሰልቻዊን” ውድድር ክብሉ ገሊጾሞ ኣለዉ።

ንኣጋይሽ ብደሓን ምጹ ዝብል በብይኑ ጽሑፋት ኣበየ-ከተማ ቶክዮ ተለጢፉ ደኣ ይሃሉ እምበር፡ ዘይከም ካልእ እዋን ግን እታ ከተማ ዝሕልሕል’ያ ትብል ዘላ።

ካብ ሓድሽ እብረ ለበዳ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተናገፉ ጃፓናውያን’ውን በቲ ውድድር ኣመና ሕጕሳት ኣይመስሉን። ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ መሕተት ድማ ዝበዝሑ ተቓውሞኦም ገሊጾም። ብኡን ክንድኡን ከኣ’ዩ እቲ ውድድር ተናዊሑ፣ እታ ሃገር’ውን ኣብ ፍጹም ዕጽዋ ጸኒሓ።

ከም በዓል ዳቪዳ ጀራርድ፡ ካብ ኒው-ዝላንድ ዝመጸ ኣሰልጣኒ ምሕንባስ ግን፡ እቲ ኣተኵሮ ኣብ ውድድር እምበር፡ ኣብ ተወሳኺ መስርሓት ክህሉ ኣይግባእን ኢሎም ይምጕቱ። ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ልምምድ፡ ተወዳደርቲ ክእለቶም ዘመስክሩሉ ግዜ ብምዃኑ፡ ነቲ ካልእ ተወሳኺ ጽንብላት ኣቓልቦ ዝህብ ተወዳደሪ ዳርጋ ከም ዘየሎ ድማ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG