ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድድራት ኦሎምፒክ ሓጋይ 2022 ኣብ በይጂንግ ብወግዒ ተኸፊቱ


ስነ ስርዓት ምኽፋት ኦሎምፒክ ሓጋይ ቤይጂንግ 2022
ስነ ስርዓት ምኽፋት ኦሎምፒክ ሓጋይ ቤይጂንግ 2022

ውድድር ኦሎምፒክ ሓጋይ 2022 ሎሚ ኣብ ቤይጂንግ ቻይና ብወግዒ ተኸፊቱ።

ፕሬዝዳንት ቺ ጂንፒንግ ብወግዒ ምኽፋቱ ኣዊጆም ኣለው።

ኣብቲ መኽፈቲ ስነስርዓት ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፣ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝን ዝርከቡዎም ኣጋይሽ ተረኺቦም ኣለው።

ኣመሪካ፣ብሪጣንያን ካናዳን ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራት ቻይና ኣብ ልዕሊ ኣብ ምዕራብ ክፍለ ግዝኣት ሺንጃንግ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ኣምነቲ እስልምና ዊገር ምፅናት ዓሌትፈፂማ ብዝብል ተቓውሞ ዲፕሎማሲያዊ ማሕሰምቲ ገይረን ኣለዋ።

ሰበስልጣን ቤጂንግ ነቶም ክስታት መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ይነፅጉዎም።

XS
SM
MD
LG