ውድድራት ሴካፋ (ሃገራት ማእከላይን ምብራቅን ኣፍሪቃ) ትሕቲ 23 ዓመት ኣብ ባህርዳር ኢትዮጵያ ቀጺሉ ኣሎ።
ነቲ ዞባዊ ግጥም ቅድሚ ትማሊ ቀዳም ዝጀመረኦ ጋንታታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ነይረን። ክልቲኤን ጋንታታት ማዕረ 3 ን 3 ተፈላልየን። ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚ ደገፍታን ኣብ ገዛእ ሜዳኣን ማዕረ 3 ን 3 ምፍልላያ፣ ብርታዐ ተጋጣሚት ጋንታ ኤርትራ ዝሓበረ እዩ። ዊልያም ሰለሞን ሓደ፣ ኣቡበከር ናስር ድማ ክልተ ሸቶታት ኣመዝጊቦም ነይሮም። ንጋንታ ኤርትራ ሰለስቲኤን ሸቶታት ብሓደ ሰብ እየን ተመዝጊበን። ብዓሊ ሱሌማን። ሃትሪክ ሰሪሑ።
ኤርትራዊ ዓሊ ሱሌማን ምስ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ንክስለፍ ኮንትራት ከምዝፈረመ ፈሊጥና ኣለና።
ትማሊ ኣብ ዝተካየዱ ግጥማት፣ ኡጋንዳን ኮንጎን ዜሮ ንዜሮ ተፈላልየን። ኬንያ ድማ ንጂቡቲ 3 ን 0 ስዒራ።
ኣብ ዜና ኦሎምፒክ ናይ ሎም ዘበን ውድድራት ኦሎምፒክ (ኦሎምፒክ ቶክዮ) ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልታት ክጅምር እዩ።
እቲ ቶክዮ ተተኣናግዶ ውድድራት፣ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ንሓደ ዓመት ከምዝተማሓላለፈ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ናይ ሎሚ ውድድራት ኦሎምፒክ፣ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ተቀዳዳሚት ብሽክለታ ኤርትራዊት ሞሳና ደበሳይ: ኣብ ጋንታ ስደተኛታት ዓለም ካብ ሞንጎ ዝተሓቆፉ፣ ነባራይ ዓዲ ጥልያን ኤርትራዊ ተኽለወይኒ ገ/እየሱስ፣ ተጠቀስቲ እዮም።