ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም ኮሮና ቫይረስ ዝተራእየለን ኩለን ሃገራት ነቲ ሕማም ንምቁጽጻር ክሰርሓ ጸዊዑ


ውድብ ጥዕና ዓለም/WHO/ ኮሮናቫይረስ ዝተራእየለን ኩለን ሃገራት ነቲ ሕማም ኣብ ቁፅፅር ንምውዓልን ንምጥፋእን ምስ ዝሰርሓ ትካላት ክሰርሓን ናይ ባዕለን ስጉምትታ ክወስዳን ፀዊዑ።ዋና ዳይሬክተር እቲ ውድብ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ጀኔቭ መግለፂ ሂቦም ኣለው ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ትማሊ ሓሙስ ኣብዝሃቡዎ መግለፂ ‘ነዚ ቁፅሪ ሓደ ፀላኢ ህዝቢ’ ንምቁፅፃርን ንምጥፋእን ዘሎ ኣገዳስነቱ ፀቒጦምሉ።

“ክሳብ ሎሚ ንጉሆ ስዓት 6፡00 ለካቲት 20 ኣብ ቻይና 2,121 ዝሞቱ ሓዊሱ 74,675 ሰባት በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ንውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ’ሎ።ካብ ቻይና ዝወፅእ ዘሎ መረዳእታ በቲ ቫይረስ ይትሓዙ ናይ ዘለው ሓደሽቲ ሰባት ብዝሒ እናንቆልቆለ ምዃኑ፡ዘተባብዕ’ኳ እንተኾነ እንዓግበሉ እዋን ግን ኣይኮነን።”

“ካብ ቻይና ወፃኢ ኣብ 26 ሃገራት 1,076 ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺቡዎ ሸውዓተ ድማ ሞይቶም ኣለው።”

ኣብ ቻይና ወፃኢ ካብዝተታሕዙ ኩሎም እቶም ፍርቂ ተሳፈርቲ ዳይሞንድ ፕሪንሳስ ክሩዝ (Diamond Princess Cruise) ዝተባህለት መርከብ እያ።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንምዕባለ እቲ ቫይረስ ካብ ምክትታል ብተወሳኺ ቀንዲ ግደ ውድብ ጥዕና ዓለም ዓለምለኸ ግብረመልሲ ንምሃብ ምስ ሃገራት ሓቢርካ ምስራሕ እዩ ኢሎም ።

“ከም እትፈልጡዎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ባይታ ኣብ ቻይና ንዓለምለኸ ጉጅለ ክኢላታት ይመርሕ እዩ ዘሎ።እቲ ቫይረስ ዝመሓላለፈሉ ኣገባብን ፅልዋታት ቻይና ትወስዶም ዘላ ስጉምትታትን ሓዊሱ ንገሊኦም ዘይንፈልጦም ነገራት ንምርዳእ ምስ መሻርኽቲ ቻይና ንሰርሕ ኣለና።”

ተመራመርቲ ውድብ ጥዕና ዓለምን ጉጅለ ልምዓትን ዝፍውሱ መድሓኒታት ንምፍጣር ይሰርሕ ኣለው።

እቶም ዋና ዳይሬክተር ካብ ቻይና ወፃኢ ብዝሒ በቲ ሕማም ዝተታሕዙ ሰባት ውሑድ እንተኾነ እውን ንነዊሕ እዋን ከምኡ ኢሉ ክፀንሕ ዘይክእኽል ሓቢሮም።ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዝርግሐ ቫይረስ ንምቁፅፃር ብሓባር ክሰርሕ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ጸዊዖም።

XS
SM
MD
LG