ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም ክታበት ቫይረስኮሮና ንድኻ ሃገራት ንምብጻሕ 2.4 ቢልዮን ዶላር ድጋፍ ከምዝረኸበ ገሊጹ


ውድብ ጥዕና ዓለም ንድኻ ሃገራት ክታበት ኮቪድ ንምብጻሕ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ 2.4 ቢልየን ዶላር ድጋፍ ከምዝረኸበ ይግለጽ ኣሎ። ትማሊ ረቡዕ ነቲ ዋዕላ መብጽዓ ዝመርሐት ጃፓን 800 ሚልየን ዶላር ማለት ዝበዝሐ ገንዘብ ኣዋጺኣ`ላ። ከምኡ`ቲ ፕሮግራም ካብ ካናዳ:ፈረንሳ: ስጳኛ: ሰዊድን ዘይንዓቕ ሓገዝ ገንዘብ ተለጊስሉ`ሎ። ብርክት ዝበላ ሃገራት ድማ ካብ ዘለወን ክታበት ከካፍላ ቃል-ኣትየን ኣለዋ። ጃፓን ንባዕላ 30 ሚልየን ክታበት ከምእትልግስ ኣፍሊጣ`ላ።

እቲ ብኮቫክስ ዝፍለጠ ፕሮግራም ዛጊት ናብ 127 ሃገራት 77 ሚልየን ክታበት ከምዘከፋፈለ ይሕብር ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ሰሙናት ዝተረፎ ኦሎምፒክ ቶክዮ- ካልእ መኻልፍ ኣጋጢምዎ`ሎ- 10 ሺሕ ዝኾኑ ወለንተኛታት ናህሪ ኮቪድ የስግኣና`ዩ- ኢሎም ኣንሳሒቦም። ሓለፍቲ ኦሎምፒክ ግን- ካብ ወጻኢ ዝመጹ ኣጋይሽ ነቲ ውድድራት ክዕዘቡ ስለዝተኣገዱ- ናይቶም ብፍቓዶም ዝሰርሑ 10 ሺሕ ምውጻእ ኣይጸልወናን`ዩ ይብሉ።

.ኣብ ቶክዮ ጃፓን ዝካየድ ውድድራት ስፖርት ኦሎምፒክ ኣብ 2020 ክካየድ ተመዲቡ`ኳ እንተነበረ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ምስራዙ ይዝከር- ሕጂ ግን ከምዘይስረዝ ኣተሓባበርቲ`ቲ ዓቢይ ውድድር ኦሎምፒክ ይገልጹ`ለዉ።

XS
SM
MD
LG