ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም፤ ኣብ ትግራይ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ብዘይ ቀረብ መሰረታዊ ጥዕና ምህላዉ ገሊጹ


ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ብስእነት መሰረታዊ ቀረባት ጥዕና ንሕማማት ቅሉዓት ምህላዎም ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ። እቲ ውድብ፡ ናብ ኣዝዩ ውሱን ቍጽሪ ህዝቢ ጥራይ ሕክምናዊ ሓገዝ ከባጽሕ ከም ዝኸኣለ ኣፍሊጡ ኣሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዘመልክቶ፡ መሓዉራት ጥዕና ዓንዩ፡ መሰረታዊ ቀረባት ከም ኤለክትሪክ ብዘይ ምህላዉ ነቲ ስራሕ መሊሱ ከም ዘብኣሶ ይሕብር።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ 3.8 ሚልዮን ዜጋታት ኣብ ትግራይ፡ መሰረታዊ ቀረባት ጥዕና ዝጽበዩ’ዮም። እቲ ትካል፡ ናብ 2.3 ሚልዮን ዝበጽሕ ሕክምናዊ ሓገዝ ክገብር ድሉው ደኣ ይንበር እምበር፡ ካብ ፈለማ ወርሒ ግንቦት ኣትሒዙ ግን ንከባቢ 87-ሽሕ ጥራይ’ዩ ክሕግዝ ክኢሉ ዘሎ።

ወሃቢት ቃል ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ዝዀና ፋደላ ቻይብ ከም ዝሓበረኦ፡ ዋሕዲ ነዳዲ፡ ስእነት ጸጥታን ገንዘብን ነቲ ናይ ህይወት-ኣድሕን ስራሓቶም ኣሰናኺሉዎ ኣሎ።

“እቲ ዝያዳ ስክፍታ ዝፈጥር ድማ እቲ ወቕቲ ንለበዳ ሸሮኽን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ሕማማትን ምቹእ ግዜ ምዃኑን’ዩ። ንምክልኻል ሕማማት ንፍዮን ዓሶን ዝነጥፋ ዝነበራ ትካላት ጥዕና፡ ብሰንኪ’ዚ ኲናት ስራሓተን ክቕጽላ ኣይከኣላን። እዚ፡ ነቶም ብሰንኪ’ቲ ኲናት ኣካላዊ ማህረምቲ ዝወርዶም ዜጋታት ንምሕካም ዝግበር ስራሓት ከይጸብጻብና’ዩ። ክንክን ቅድመ-ሕርሲ ዘድልየን ኣደታት፡ ዓጸቦ ዝወረዶም ህጻናት፡ ክታበት ዝጽበዩ ቈልዑ... ኵላቶም እዚኣቶም መሰረታውያን ግን ህጹጻት ጠልባት’ዮም።”

ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ዝጀመረ፡ ቀዳመይ እብረ ናይቲ ብኣፍ ንዝውሰድ ክታበት ሸሮኽ፡ ካብቲ ዝተተለሞ 4 ሚልዮን፡ ንፍርቂ ጥራይ’ዩ ተባጺሑ። እቲ ካልኣይ ዙር ክታበት ኣዝዩ ወሳኒ ብምዃኑ፡ ተመሳሳሊ ውሕስነት ከም ዘድሊ እተን ኣፈኛ የመልክታ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ስራሓቱ ብምዕማም እኹል ቀረብ ክታበትን ንዕኡ ዘድሊ መዝሓሊን የድልዮ። ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ምቍራጽ ኤለትሪክ ግን እዚ ስራሕ ኣመና ከም ዘጸግም እቲ ውድብ ይገልጽ።

ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ብዘጓንፎም ዘሎ ምፍርራሓት’ውን እቲ ውድብ ከምቲ ዝደልዮ ሓገዝ ክገብር ከም ዘይከኣለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርአ ዘሎ ሰፊሕ ጉድለት ማእዛታት መግቢ፡ ካብቲ ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ’ዩ። ኣብ ፈለማ ክልተ ሰሙናት ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ፡ 458 ህጻናት ብስእነት ማእዛታት ዘለዎ መግቢ ተጠቒዖም ኣብ ሕክምና ምዕቋቦም እተን ወሃቢት ቃል ፋደል ቻይብ የመልክታ።

“ህጻናት ብጉድለት ማእዛታት መግቢ ክሳቐዩ እንከለዉ፡ ንኸም በዓል ዓሶን ንፍዮን ዝኣመሰሉ ሕማማት ብቐሊሉ’ዮም ዝጥቅዑ። ስለዚ ከኣ እዚ ንህጻናት ናይ ሞት ፍርዲ ምዃኑ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ነዚ ዝከናኸና 92 ማእከላት ጥዕና ነይረናና፣ ሕጂ ግን 23 ካብኣተን ጥራይ’የን ዝሰርሓ ዘለዋ። ምስዚ ዘሎ ሽግራት ሕጂ 200 ማእከላት ጥዕና የድልያ።”

ቅድሚ ትሽዓት ኣዋርሕ፡ ፈደራልዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንክልል ትግራይ ንምቍጽጻር መጥቃዕቲ ጀሚሩ። መንግስቲ በይንኣዊ ናይ ምቍራጽ ተጻብኦታት ስጉምቲ ኣብ ዝኣወጀሉ ድማ ሓይልታት ትግራይ ንርእሰ-ከተማ መቐለ ተቖጻጺሮማ።

ኣብ ከምዚ ዝመስል ዘይርጉእ ኵነት፡ ስራሓቱ ክቕጽል ከም ዘጸግሞ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር። ትካላት ጥዕና ዓንዮም፡ መሳርሒታት ተዘሚቱ፡ ስእነት መሰረታዊ ቀረባት ኣብ ዘለወሉ እቲ ሽግር ከም ዝዛይድ ከኣ መግለጺ’ቲ ውድብ ይውስኽ።

እቶም ደሞዞም ዘይክፈሉን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝወርዶም ሰራሕተኛታት ጥዕና’ውን ኣብ ምዱብ ስራሖም ስለ ዘየለዉ ተወሳኺ ሽግር’ዩ ኰይኑ ከምዘሎ ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG