ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም ንቘልዑ ዝኸውን ጸረ ዓሶ ክታበት ምርካቡ ገሊጹ


ውድብ ጥዕና ዓለም ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ አር.ቲ. ኤስ. ኤስ (RTS,S) ዝተሰምየ ጸረ ሕማም ዓሶ ክታበት ውሑስ ኰይኑ ከም ዝረኸቦን፡ ንኣብ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃን ካልኦት ተመሳሳሊ ቅናት ዘለዋ ሃገራት ክውዕል ከም ዝኽእልን ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ክታበት ኣብ መስርሕ ፈተነ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ካብ 2019 ኣትሒዙ፡ ኣብ ጋና፡ ኬንያን ማላዊን ዝርከቡ ልዕሊ 800-ሽሕ ህጻናት ፈተና ክግበረሉ ከም ዝጸንሐ ተፈሊጡ'ሎ። ውጽኢት ናይቲ ፈተነ ኣዕጋቢ ኰይኑ ስለ ዝረኸቦ እምበኣር’ዩ እቲ ውድብ ነቲ ክታበት ኣብ ጥቕሚ ዝበዝሐ ሰብ ክውዕል ዘፍቅድ ዘሎ።

“ነዊሕ ክንጽበዮ ዝጸናሕና ልዑል መጽናዕቲ፡ ሕጂ እቲ እንደልዮ ውጽኢት ሒዙ ምምጻኡ ዓቢ ብስራት’ዩ። በዚ ክታበት ኣቢልና ድማ ህይወት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩቈልዑን መንእሰያትን ከነድሕን ኢና፡” ክብሉ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሓጐሶም ገሊጾም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG