ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም ንቀርኒ ኣፍሪቃ ሓገዝ ንምልጋስ 123.7 ሚልዮን ዶላር ሓቲቱ


ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘጋጠመ ጥምየትን ሕማምን ንዝተጠቕዑ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ህፁፅ ረድኤት ንምቕራብ 123.7 ሚሊዮን ዶላር ቕልጡፍ ሓገዝ ሓቲቱ።

ብመሰረት ፀብፃብ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ልዕሊ 80 ሚሊዮን ሰባት ንዓሰርተታት ዓመታት ተራእዩ ዘይፍለጥ ደረጃ ጥምየት ኣጋጢሙዎም ኣሎ።ኣብ መላእ ሶማል፣ኢትዮጵያን ኬንያን ፍርቆም ህጻናት ዝኾኑ ኣስታት 20 ሚሊዮን ሰባት ድሮ ኣብ ጫፍ ዓፀቦ ከምዝርከቡ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓጋዚ ምኽትል ዳይሬክተር ግብረ መልሲ ሓደጋ ኢብራሂም ሶክ ፎል እዚ ሕሱም ቅልውላው ውሕስነት መግቢ ኣብቲ ዞባ ቅልውላው ጥዕና እውን ኣስዒቡ ኣሎ ኢሎም።ሕፅረት ዝተመጣጠነ ኣመጋግባ: ለበዳ ሕማም በዲዶ ይውስኽ ምህላው ገሊጾም።

ፎል ውድብ ጥዕና ዓለም ዘቕረቦ ምሕፅንታ ኣገልግሎት ጥዕና ንዝያዳ ዝተጎድኣ ሸውዓተ ሃገራት ጅቡቲ፣ኢትዮጵያ፣ኬንያ፣ሶማል፣ደቡብ ሱዳን፣ሱዳንን ኡጋንዳን ንምስፍሕፋሕ ክውዕል እዩ ኢሎምም።

ንሶም ወሲኾም ኣብ ዩክሬን ኵናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ምጉዳል ፀጋታት ከምዘሎ ብምሕባር ዓለምለኸ ሓገዝቲ ኣብ ዩክሬን ንዘሎ ቅልውላው ብገንዘብ እናሓገዙ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰባት ብጥምየትን ሕማምን ህይወቶም ከይስእኑ ዘይከላኸሉ እንተኾይኖም ንሕልና ዝጎድእ እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG