ዋሽንግተን —
ውዱብ ጥዕና ዓለም/WHO/ ቻይና ሓደገኛ ለበዳ ሕማም መተንፈሲ /coronavirus/ ዝተልዓለላ ከተማ ውሃን ዝኣትውን ዝወፅእን ኩሉ ዓይነት መጎዓዚያ ብግዚያዊነት ደው ክብል ንዝወሰደቶ ስጉምቲ ንኢዱዎ።
ዳይረክተር ጀነራል’ቲ ውድብ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ትማሊ ረቡዕ ከምዝበሉዎ 11 ሚሊዮን ሰባት ዝነብሩላ ከተማ ምንቅስቓስ ካብን ናብን ምዕፃዋ ከቢድ ስጉምቲ’ዃ እንተኾነ እቲ ሕማም ከቢድ ምስ ምዃኑ ግን ግቡእ እዩ ኢሎም።
ዶ/ር ቴድሮስ “ከቢድ ስጉምቲ ብምውሳድ እቲ ለበዳ ኣብታ ሃገር ከይጋፋሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ዓለም ክጋፋሕ ዘለዎ ዕድል እውን ዝንኪ እዩ’’ኢሎም ኣለው ።
ዛጊት ልዕሊ 500 ሰባት በቲ ሕማም ምልካፎም ዝተረጋገጸ ክከውን ከለው 17 ሰባት ድማ በቲ ሕማም ሞይቶም ኣለው።እቲ ሕማም ናብ ሃገራት ታይላንድ፣ጃፓን፣ደቡብ ኮሪያ፣ታይዋንን ኣሜሪካን እውን ተራእዩ’ሎ።