ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዛየደ ኣፍሊጡ


ውድብ ጥዕና ዓለም ቁጽሪ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዛየደ ኣፍሊጡ- ቀንዲ ምኽንያት ዝብሎ ኣብ ምፍንታት እኹል ተገዳስነት ስለዘይተገብረ`ዩ። ኣብ መንጎ መንእሰያት እቲ ለበዳ ካብ 4.5% ናብ 15 % ከም ዝደየበ`ዩ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።

ኣብ መንጎ መንእሰያት ዝያዳ ናህሪ ብምርኣይ ዝጥቀሳ ድማ ኣሜሪካ ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ስፓኛ ከምኡ`ውን ጃፓን ምዃነንን`ውን ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ጃፓን ኣብ ባራትን መዘናግዒ ቦታታትን እኹል ምፍንታት ክህሉ ሰበ-ስልጣን ይጽውዑ`ለዉ።

ኣውስትራልያ ትርከበን ብርክት ዝበላ ሃገራት ናህሪ ኮሮናቫይረስ ኣጋጥምወን ኣሎ። ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ድማ ኣመሓደርቲ ሽዱሽተ ግዝኣታት ብድምር 3.5 ሚልዮን መመርመሪ ኮሮናቫይረስ ንምዕዳግ ጥምረት ፈጢሮም ኣለዉ። ኣብ ምዕዳግ`ቶም መሳርሕታት ገባሪ ሰናይ ሮክፈለር ከምዝሕግዝ ድማ ሓቢሮም ኣለዉ።


XS
SM
MD
LG