ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም ስግኣት ሳልሳይ ዙር ዝርግሓ ቫይረስኮሮና ኣብ ኣፍሪቃ ክውን'ዩ ክብል የጠንቅቕ


ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ጨንፈር ኣፍሪቃ ዶ/ር ማቲድሶ ሞቲ ኣብ ኣፍሪቃ ሳልሳይ ዙር ለበዳ ቫይረስ ኮሮና "ዝኸውንን ይመጽን ዘሎ እዩ" ኢለን ።

ንሰን"ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ዘለዋ ብርክት ዝበላ ሃገራት፣ ብቀዳምነት ንዘድልዮምን ከቲበን ንቆልዑት’ውን ንምኽታብ ኣብ ዝቀራረባሉ እዋን፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቶም ኣዝዩ ዘድልዮም ሰባት ካልኣይ ክታበት ክህባ ኣይካኣላን ዘለዋ" ኢለን።

ጋዜጣ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ "መንግስቲ ኢጣልያ ናብ ኣብ ግዝኣቱ ዘለው ሰባት መበገሲኦም ብዘየግድስ ክታበት ክረኽቡ’ዮም ኢሉ ዋላ’ውን ቃል እንተኣተወ፣ ስደተኛታት ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ኣይረኽቡን ዘለው" ኢሉ’ሎ።

ብመሰረት’ቲ ጋዜጣ ንክታበት ቆጸራ ክታሓዝ ዝካኣል ብመለለዪ ቁጽሪ (ሶሻል ሴክዩርቲ ) ተጠቂምካ ብምዃኑ'ዩ።

ኢጣልያዊ ዶ/ር ማርኮ ማዘቲ ግና "ኣብ ውሽጢ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ዝራኣይ ኩነተ ቫይረስ ኮሮና ክንቆጻጸሮ እንተዘይኪኢልና፣ ዝውውር ቫይረስ ኮሮና ኣብ መላእ ሃገር ክንቆጻጸሮ ኣይንኽእልን ኢና ማለት እዩ" ኢሎም።

XS
SM
MD
LG