ዋሽንግተን —
ውድብ ጥዕና ዓለም፥ ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ ከምኡ`ውን ኤኮኖሚክ ፎረም ዓለም ኣብ ዘውጽኦ መምርሕታት፥ ሃገራት ኣፍሪቃ ክኽፈታ ከለዋ ክኽተልኦ ዝግባእ ኣገባባት ኣቕሪቦም።
መንግስታት ፥መጀመርያ ነቶም ኣገደስቲ ዝብሃሉ ጽላታት ቁጠባ ድሕነቶም እናረኣዩ ክኸፍቱ ይግባእ ዝበለ ሲዲሲ ኣፍሪቃ፥ ኩሉ ዝግበር ምኽፋት ኣብያተ-ንግዲ ኣብ ሳይንስ ዝተመርኮሰ ምኽንያት ክህልዎ ኣለዎ ኢሉ።
ስግኣት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ናብ ዓሚቕ ቁጠባዊ ውድቀት ዝደርበየን ሃገራት ኣፍሪቃ ደረት ዕጽዋ ከፍኩሳን ህዝበን ናብ ስርሑ ክምለስን ጸቕጢ ክብርትዐን ጸኒሑ`ሎ።