ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም መድሃኒት ቫይረስኮሮና ንምምሃዝ ጻዕርታት ክድንፍዕ ጸዊዑ


ዳይረክተር እቲ ውድብ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም
ዳይረክተር እቲ ውድብ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ውድብ ጥዕና ዓለም ማዕረ ማዕረ ተቀያያሪ ባህሪ ቫይረስ ኮሮና፣ መድሓኒት ናይ ምምሃዝ ተኽእሎ’ውን ንክድንፍዕ ዝበለጸ ወፍሪ የድሊ እዩ ይብል ።

ዳይረክተር እቲ ውድብ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም "ለበዳ ኮቪድ19 ከምቲ ዝሕሰብ ኣብ ምጥፋእ ገጹ ኣይኮነን ዘሎ። እቲ ሕማም ንምክልኻል ዝተጀመሩ ህዝባዊ ጻዕሪታት ከምዘለው ክቅጽሉ ይግባእ፣ ከምኡ ኮይኑ’ውን፣ ነቲ ዘይምሕር ሕማም ንምቁጽጻር ሓድሽ ኣገባብ ምምሃዝ ኣገዳሲ እዩ" ኢሎም። ብመሰረት ዳሕረዋይ ኣሃዛዊ ሓበሬታ፣ ብቫይረስ ኮሮና ዝሞቱ ሰባት 6.3 ሚልዮን፣ ዝሓመሙ ድማ 566 ሚልዮን ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው ኣለው።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ ብሰንኪ ኦሚክሮን፣ ብዝሒ ናብ ሆስፒታል ይኣትው ዘለው ሕሙማት ከምዝወሰኹ ዝተፈላለያ ሃገራት ይገልጻ ኣለዋ ይብሉ።

ዶ/ር ቴድሮስ ክታበት ህይወት ብዙሓት ሰባት ዋላ’ውን እንተድሓነ ንመጠን ምትሕልላፍ እቲ ቫይረስ ግና ኣይነከዮን እዩ። ስለዚ መንግስታትን ውልቀ ትካላትን ንመጠን ምትሕልላፍን ካብ’ቲ ቫይረስ ዝፍውስ መድሓኒትን ንምምሃዝ ሓቢሮም ምስራሖም ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም እቲ ንመጻኢ ዝማሃዝ ፈውሲ ጸረ ኮቪድ19 ብመልክዕ ዝንጸግን ዝነጥብን ኮይኑ ንክዳሎ’ውን ኣዘኻኺሮም።

ሓላፊ ክፍሊ ግብረ መልሲ ህጹጽ ጉዳያት ጥዕና ማይክ ርያን ብወገኖም ኣብ ዓለም ሕማማት ኮቪድ19፣ ፈንጣጣ ህበይ፣ ፖልዮን ካልኦትን ይንህሩ ኣለው። ምኽንያቱ፣ ሃገራት፣ ኣብ ክንዲ ነቶም ሕማማት ንምጥፋእ ምፍታን፣ ኣብ ግብረ መልሲ’የን ኣተኪረን ዝሰርሓ ዘለዋ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG