ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም ሃገራት ከቢድ ፖሊስ ግብሪ ኣብ ልዕሊ ሽጋራን ትንባኾን ከንብሩ ጸዊዑ


ኣብ ልዕሊ ሽጋራን ትምባኾን፣ ግብሪ ምውሳኽ፣ ህይወት ንምድሓንን ብቢልዮናት ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ ንምውህላልን ዘሕግዝ ብሉጽ ኣገባብ ከምዝኾነ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።

ምስ ትምባኾ ብዝተኣሳሰረ ዘጋጥም ጸገም ጥዕና ኣስታት 8 ሚልዮን ሰባት ኣብ ዘይዕድሚኦም ከምዝሞቱ ዝገልጽ እቲ ውድብ፣ ምትኻኽ ሽጋራን ትምባኾን ንቁጠባ ዓለም 1.4 ትሪልዮን ዶላር ኪሳራ ከምዘስዕብ’ውን ሓቢሩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ካልኦትን፣ ኣብ ነብሰወከፍ ሃገራት፣ ከቢድ ፖሊሲ ግብሪ ንከተግብሩ’ውን ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG