ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም ሃገራት ንዝመጽእ ማዕበላት ቫይረስኮሮና ክዳለዋ የጠንቅቕ


ኣብ ቻይና ሻንጋይ
ኣብ ቻይና ሻንጋይ

ሓድሽ ዓይነት ቫይረስኮሮና ብብዝሒ ይረኣ ከምዘሎ ዝገለጸ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ኩሉ ሰብ፣ ክተብዕን ህዝባዊ መከላኸሊ ብምሕያል፣ እቲ ዘይምሕር ቫይረስ ንከይሕዞን ናብ ካልኦት ንከየመሓላልፍን ኣጠንቂቁ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብደረጃ ዓለም ምስፋሕ እቲ ለበዳ ብ30 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ፣ ዛጊት ብኮቪድ-19 ዝሓመሙ 558 ሚልዮን ሰባት፣ ዝሞቱ ድማ 6.3 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ ይብል።

ኣብ ኣውሮጳን ኣመሪካ ብBA4ን ብBA5ን ተባሂሎም ዝፍለጡ ተርእዮታት ቫይረስኮሮና ይረኣዩ ኣብ ዘለውሉ ሕጂ እዋን ፣ ኣብ ህንዲ ድማ ካልእ ዝመልክዑ ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸበ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም "እቲ ቫይረስ ምስ ዝቀያየር፣ ክታበት፣ ዋላ’ውን ኣብ ምክልኻል ሕማምን ሞትን ውጽኢታዊ እንተሎ፣ እናነከየ መጺኡ ኣሎ። ኣገዳስነት መሐየሊ ክታበት፣ ኣብ እዋን ባዕላዊ ዓቅሚ ምጽዋር ሕማማት፣ ብሕልፊ ንኣብ ሓደጋ ዘለው ወሳኒ እዩ"ይብሉ።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣብ መግለጺኦም፣ ድኻ ሃገራት ነቲ ሓድሽ ይቀላቀል ዘሎ ዓይነት ሕማም ኮቪድ19 ዝያዳ ተቃላዕቲ ኮይነን ኣለዋ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG