ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ባይቶና ኣብ ውፅኢት ምርጫ ክልል ትግራይ ጠሚቱ ክኸስስ  እየ ኢሉ


ውድብ ባይቶና ኣብ ምርጫ ክልል ትግራይ 18 ተወሳኺ ወንበር ይግባኣኒ እዩ ብምባል ጉዳይ እቲ ምርጫ ናብ ቤትፍርድን ናብ መፃረዪ ጉዳይ ሕገ መንግስቲ እቲ ክልል ክወስዶ እየ ክብል ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ::

ማእከላይ ኮሚቴ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ባይቶ መንግስቲ ክልል ትግራይ: ድምፂ ዘይረኸቡ ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ውድባት: ኣብ ቤት ምኽሪ ንኽኣትዉ ንዘሕለፎ ውሳነ ከምዝቕበል ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ውድብ ብድምፂ ህዝቢ ንዝረኸባ ሓንቲ መንበርን ብዘይ ድምፂ ንክሳተፍ ዝተወሰነሉ ሸውዓተ መናብርን ከምዝቕበልን ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ::

እቲ ውድብ ነቲ ውሳነ እንተተቐበለ’ውን ቅድመ ኩነት እውን ኣቐሚጡ ኣሎ። ንውድባት ፖለቲካ ካብ ልቢ ዘሳትፍ እንድሕር ዘይኮይኑ ግን፡ ባይቶና ነቲ ፀገም ኣቃሊዑ፡ ካብቲ ቤት ምኽሪ ከምዝወፅእ ገሊፁ ኣሎ:: ነዚ እውን ኣቐዲሙ ናይ ስምምዕ ሰነድ ንኽፍጸም ሓቲቱ እዩ::

ምስዚ ተተሓሒዙ ባይቶና ብዛዕባ እተን ብሓንፈፅ ተመጣጣኒ ስርዓት ምርጫ 38 ወናብር ናብ ቤትምኽሪ ዝኣተዉ ጠሚቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ህወሓት ኣብ ብብዝሒ ድምፂ መንበር ምርካብ ዝበኸነ ድምፂ ስለዘይብሉ ዝወሰዶ 37 መናብር ትኽክል ኣይኮነን ብምባል ተቓዊሙ::

ብቐጥታ ብህዝቢ ድምፂ ዘይተመረፁ ኣባላት ህወሓት እዮም ናብቲ ቤት ምኽሪ ኣትዮም እዚ ድማ ፀረ ሕገመንግስቲ እዩ ዝበለ ባይቶና ኣብዚ ጉዳይ ክሲ ክምስርት ምኻኑ ገሊፁ::

ባይቶና ካብቲ 38 መናብር 19 መናብር ይግበአኒ እዩ ኢሉ ከምዝኣምንን ሓንቲ መንበር ጥራሕ ከምዝተውሃቦ ብምግላፅ ‘ ጉዳይ ድማ ናብ ቤትፍርድን ናብ መፃረዪ ጉዳይ ሕገ መንግስቲ እቲ ክልል ክወስዶ እየ ክብል ኣፍሊጡ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ውድብ ባይቶና ኣብ ውፅኢት ምርጫ ክልል ትግራይ ጠሚቱ ክኸስስ  እየ ኢሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:42 0:00



XS
SM
MD
LG