መቐለ —
ውድብ ሳልሳይ ወያነ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከካይዶ ተመዲቡ ዝነብረ ሃገራዊ ምርጫ ምንውሑ ኣይቕበሎን ኢሉ::
እቲ ውድብ ፌደራል መንግስቲ ምርጫ ኣብ ግዝኡ ዘየካይድ እተኾይኑ ኣብቲ ክልል ምርጫ ክካየድ ሓቲቱ::
ኣብዚ ጉዳይ ህወሓት ሓቲትና ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዘውፀኦ መግለፂ ግዝኡ ዘይሓለወን: ብዙሕ መፅናዕቲ ዘይተገበረሉን እዩ ኢሉ ::
ቦርድ ምርጫ ብወገኑ ቫይረስ ኮርና ዘተሓሳስብ ደረጃ ከምዘሎን መንግስቲ ትግራይ እውን ነዚ ተረዲኡ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ኣዊጁ ኣብዘለሉ እዋን ግዚኡ ኣይኮነን ምባል ነኒባዕሉ ዝጻረር እዩ ኢሉ::