ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ፈላማይ ጉባኤኡ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ብምምራፅን ፕሮግራም እቲ ውድብ ብምፅዳቕ ዛዚሙ


ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ፈላማይ ጉባኤኡ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ብምምራፅን ፕሮግራም እቲ ውድብ ብምፅዳቕ ዛዚሙ::

ኣይተ ሃያሉ ጎድፋይ ኣቦ መንበር ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ ድማ ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኮይኖም ተመሪፆም::

“ረብሓ ትግራይ ሽካሉ ኣብ ትግራይ ብዝገበረ ኩለ መዳያዊ ቃልሲ ይርጋገፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 25 ክሳብ 26 ታሕሳስ 2012 ፈላማይ ብሄራዊ ውድባዊ ጉባኤ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ:: ኣብቲ ጉባኤ ፕሮግራም እቲ ውድብ: መተሓዳደሪ ስሪትን ፀዲቑ: አመራርሓ ድማ ተመሪፆም:: ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 25 'ብሄራዊ መሪሕነት' ኢሎም ዝሰየምዎ ኣባላት ማእከላዊ ኮሜቴ’ ውን ተመሪፆም::

ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ሃያሉ ጎድፋይ ምክትል ኣቦ መንበር ድማ ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ ኮይኖም ከምዝተመረፁ ተሓቢሩ:: ኣይተ ሃያሉ ጎድፋይ ረብሓ ትግራይ መሰረት ገይርና ኢና ንቃለስ ኢሎም:: 10 ክፍልታት ዝመርሑ ኣባላት እውን ሓላፍነት ከምዝተሃቦም ተገሊፁ እዩ:: ንቐፃሊ ረብሓ ህዝቢ ንምርግጋፅ ዘይተለመዱ ሓደሽቲ ክፍልታት ኣጣይሽና ኣለና ኢሎም:: ክፍሊታት ሕግን ስነ መንግስትን: ጉዳያት መንነት: ምሕዝነት ህዝብታትን ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካን: ዝብሉ ምኻኖም ድማ ተሓቢሩ::

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ሶሻል ዴሞክራሲ ሰነ ሓሳብ ፖለቲካ ሒዙ ከምዝቃለስ ኣብቲ ጉባኤ ከምዘፅደቖ ተገሊፁ:: እቲ ውድብ ንቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ናይ ህዝቢ ፊርማ ኣተኣኻኺቡ ከምዘእተውን: ኣብ ውሽጢ 45 መዓልታት ድማ መረጋገፂ ሕጋውነት ምስክር ወረቐት ካብቲ ቦርድ ክረኽቡ ትፅቢት ከምዝገብሩ ኣይተ ሃያሉ ተዛሪቦም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG