ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ፈላማይ ህዝባዊ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ኣካይዱ


እቲ ውድብ ፕሮግራሙ ንህዝቢ ንምልላይን ካብ ህዝቢ ድማ ርእይቶታት ንምቕባል እቲ ዘተ ከምዘዳለዎ ኣፍሊጡ::

እቲ ውድብ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ፕሮግራም እቲ ውድብ ቐሪቡ ምይይጥ ተኻይድሉ እዩ:: አታሓባባሪ እቲ ውድብ ኣይተ ክንፈ ሓዱሽ "እቲ መድረኽ ዝተዳለወ ፕሮግራምና ንህዝቢ ንምልላይ እዩ" ኢሎም::

ንሶም ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ረብሓ ክልል ትግራይ ክኽበር ንምስራሕ ዝዓለመ ብሄርተኛ ውድብ እዩ ኢሎም። ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምምሕያሽ ክልላት ዝሓሸ ሉኣላዊ ስልጣን ክህልወን ብምግባር ኣብ ፌደራል መንግስቲ ዘሎ ስልጣን ክንኪ ንምግባር ክንቃለስ ኢና ኢሎም:: ረብሓታት ክልል ትግራይ ንምኽባር ብመሰል ዓርሰ ውሳነ ክሳብ ምምስራት ሃገር ዝቃለስ ውድብ እዩ ክብሉ ኣይተ ክንፈ ገሊፆም::

ኣይተ ክንፈ ኣብ ዝሓለፉ 28 ዓመታት ፌዴራላዊ ስርዓት ንሽሙ እምበር ብተግባር ኣይነበረን ክልላት ኣብ ፌደራል መንግስቲ ፅግዕተኛ ኮይነን እዩ ይስራሕ ፀኒሑ ኢሎም:: ክልላት ባዕለን ናይ ኢኮኖሚ ፖሊሲ ክቐርፃ ክልል ትግራይ እውን ናይ ባዕላ ፖሊሲ ብምውፃእ ዓበይቲ ትካላት ክትውንን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም::

ንሶም ወሲኾም ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ እቲ ውድብ ሶሻል ዴሞክራሲ እዩ ድሕሪ ምባል ምስ ኤርትራውያን ልኡላውነት እታ ሃገር ብዘኽበረ: ምስ ዴሞክራሲያውያን ሓይልታት ክንሰርሕ ኢና ኢሎም:: ኣብቲ ህዝባዊ መድረኽ ካብ ህወሓት ብምንታይ ትፍለዩ ተባሂሎም ተሓቲቶም "ህወሓት ኣብ ፕሮግራሙ ከምዘቐመጦ ደርባዊ ቃልሲ ዘካይድ እዩ ንሕና ግን ብሄር መሰረት ዝገበርና ኢና" ክብሉ መልሲ ሂቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG